ኣመሪካ፣ ካብ ኢራን ናብ የመን ዝተላእከ’ዩ ዝበለቶ ልዕሊ 2 ሽሕ ጠበናጁ ሒዛ

Radio Erena: 13 January 2023

ኣብ ሓለዋ ክሊ ማያት ቀይሕ ባሕሪን ወሽመጥ ዓደንን ተዋፊሩ ዝርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፣ ካብ ኢራን ተላኢኹ ናብ የመን ዘቕንዕ ዝነበረ’ዩ ዝበሎ፣ 2116 ጠበናጁ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣብ ናይ ገፈፍቲ ዓሳ ንእሽቶ ጃልባ ተጻዒኑ ናብ የመን ዘቕንዕ ዝነበረ ጠበናጁ፣ USS Chinook ብዝተባህለት ኣብ ሓለዋ ባሕሪ ዝነበረት መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፣ ብ9 ጥሪ፣ ኣብ ወሽመጥ ዖማን ከምዝተታሕዘ፣ ንኣዛዚ ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ፣ ጀነራል ኤሪክ ኩሪላ ብምጥቃስ ሲኤንኤን ሓቢሩ።

ኢራን ብዘይሕጋዊ መንገዲ እትልእኮ ዘላ ኣጽዋር፣ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ይፈጥር ኣሎ ክብል እቲ ጀነራል ወቒሱ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር፣ ካብ ኢራን ናብ የመን ዝተላእከ’ዩ ዝተባህለ፣ ሮኬታት ንምስራሕ ዘኽእል ኣስታት 70 ቶን ተባራዒ ባእታ፣ ኣብቲ ክሊ ማይ ብኣመሪካ ከምዝተታሕዘ ኣይርሳዕን።

=================

Get independent news first!

Sign up to receive notifications when new content is published

We respect your privacy. Your information will never be shared without your consent.

COMMENTS

WORDPRESS: 0