ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኩሎም ዜጋታት ብዝቐልጠፈ ክወጹ ጸዊዓ

Radio Erena: 06 November 2021

ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብዓርቢ 05 ሕዳር ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ጸጥታዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ተኣፋፊ ከምዘሎ ብምዝኽኻር፣ ኩሎም ዜጋታቱ ብዝቐልጠፈ ካብታ ሃገር ክወጹ ኣጠንቂቑ።

ኣመሪካ፣ ነዚ ጻውዒት እተቕርብ ዘላ፣ ፍሉይ ልኡኻ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣምባሳደር ጀፍሪ ፌልትማን፣ ብዛዕባ ተኽእሎታት ዘተ ንምቁራጽ ተዅሲ ብዝምልክተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘካየዶ ምብጻሕ ፍረ ከይተረኽቦ ምስ ተረፈ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ዝቖመ ህወሓት ዝርከቦም፣ ‘ኪዳን ሓይልታት ፈደራሊስን ኮንፈደራሊስትን ኢትዮጵያ’ ዝተሰምየ ሓድሽ ስሙር ግንባር፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝምራሕ መንግስቲ ንምእላይ ብኵናት ናብ ኣዲስ ኣበባ ክግስግስ ምዃኑ ምግላጹ ተወሳኺ ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0