ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ደርቂ ንምምካት ፍርቂ ቢልዮን ለጊሳ

ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣንጸላልዩ ዘሎ ከቢድ ሓደጋ ደርቂ ንምምካት ፍርቂ ቢልዮን ለጊሳ

Radio Erena: 07 March 2016

USAID

“ኣብዚ 50 ዓመታት ካብ ዝተራእየ እቲ ዝኸፍአ’ዩ” እንተባህለ ዝግለጽ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ ንምምካት፣ ኣመሪካ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሓገዝ ጌራ ምህላዋ ሓላፊ ዩኤስኤይድ ጋይልስ ስሚዝ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ልዕሊ 10 ሚልዮን ካብ ህዝባ፣ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት የድሎ ከምዘሎ ኣብ እትጣርዓሉ ዘለ እዋን፣ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ብሰንኪ ኤልኒኖ ከምዝተኸስተ ንዝግለጽ ደርቂ ንምምካት ናይ 1.4 ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ከምዘድሊ ይግምግም።

ዛጊት ብሪጣንያ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ልዕሊ 100 ሚልዮን ዝግመት ረድኤት ከበርክታ እንከለዋ፣ ዛጊት እታ ዝበዝሐ ረዲኤት ዝሃበት ግና ኣመሪካ’ያ።

 

ኣመሪካ ብዘይካ’ቲ ንደርቂ ለጊሳቶ ዘላ 500 ሚልዮን ዶላር፣ ንኢትዮጵያ ዓመታዊ ኣስታት ሓደ ቢልዮን ፊናንስያዊ ሓገዝ ከምእትገብር’ውን ይንገር።

ግብጺ’ውን ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ንዘሎ ደርቂ ንምምካት ሓደ ሚልዮን ዶላር ዝግመት ረዲኤት ምሃባ ይፍለጥ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0