ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ኣብ ዘካየደቶ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ሸውዓተ ዕጡቓት ከምዝቐተለት ገሊጻ

Radio Erena: 24 July 2020

ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ኣብ ዘካየደቶ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲ፣ ሸውዓተ ሽበራውያን ዕጡቓት ከምዝቐተለት፣ ብ22 ሓምለ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ ኣፍሊጣ።

እቲ ደብዳብ፣ ዕጡቓት፣ ኣብ ርእሰ ምምሕዳር ፑንትላንድ፣ ወደብ ቦሳሶ፣ ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ሓይልታት ኣመሪካ ንዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ንምሃብ ምዃኑ እቲ መግለጺ ኣነጺሩ።

ሓይልታት ኣመሪካ፣ ንሰራዊት ሶማል ምኽርን ሓገዝን ንምሃብ ናብቲ ከባቢ ከምዝኣተዉ’ዩ ተሓቢሩ።

እቶም ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ኣመሪካ ዘውረድዎ ጉድኣት ኣይተነጸረን።

ኣመሪካ ብወገና በቲ ዘካየደቶ ናይ ግብረ መሲ ደብዳብ፣ ኣብ ሲቪላውያን ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለ’ያ ጠቒሳ።

ኣመሪካ፣ ዕጡቓት ኣልሸባብ ንምህዳን፣ ኣብ ሶማል ተደጋጋሚ እዋንናይ ነፈርቲን ሰብ ኣልቦ በረርትን መጥቃዕታት ከምእተካይድ ይፍለጥ።
=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0