ኣመሪካ፣ ብዛዕባ ኵናት ትግራይ ብዝምልከት ምስ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዘትያ

Radio Erena: 03 September 2021

ኣመሪካ፣ ኵናት ትግራይ ብዘተ ዝፍትሓሉ፣ ምቑራጽ ተዅሲ ዝትግበረሉን ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይመሰናኽል ዝበጽሓሉን ተኽእሎታት ብዝምልከት ምስ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዘትያ።

ኣቐዲሙ ኣብ ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራትን ዑደት ዘካየደ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ጀፍሪ ፌልትማን፣ ብሓደ መስከረም ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ ኣብዚ ዛዕባ’ዚ ተመያይጡ።

ኣብቲ ዕለት እቲ ብተመሳሳሊ፣ ዳይረክተር ትካል ሓገዝ ኣመሪካ- USAID፣ ሳማንታ ፖወር ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ቀርኒ ኣፍርቃን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፊንላድን ፔካ ሃቪስቶ ተመሳሳሊ ዝርርብ ምክያዳ ቤት ጽሕፈታ ኣፍሊጡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ምቑራጽ ተዅስ ክካየድን ኩሎም ተጻረርቲ ወገናት ናብ ፖለቲካዊ ዘተ ክቕረቡን ጸቕጢ ትገብር ዘላ ኣመሪካ፣ ኤርትራ ካብ ትግራይ ሰራዊታ ክትስሕብ ደጋጊማ’ያ ትጽውዕ።

ኣመሪካ ምስዚ ጻውዒት እዚ ብዝተሓሓዝ፣ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ናብ ኣመሪካ ዘእቱ ቪዛ ከይወሃቦም ከምዝኣገደት ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ልዕሊ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ኤርትራ፣ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮውሃንስ፣ ናይ ቁጠባ እገዳ ኣንቢራ ኣላ።

ኣብ ትግራይ ጃምላዊ ቅትለት፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ከምዝገጸመ ዝኽሰስ ሰራዊት ኤርትራ፣ ተመሊሱ ብብዝሒ ናብ ትግራይ ይኣቱ ኣሎ ዝብል ሻቕሎት ከምዘለዋ’ውን ኣመሪካ ገሊጻ’ያ።

======================

 

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0