ኣሕመድ ናስር መን’ዩ?

ኣሕመድ ናስር መን’ዩ?

Radio Erena: March 28, 2014

Ahmed Nasser 2

ገዲም ተጋዳላይን ሓደ ቀዳሞት ኣባላት ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራን ኣሕመድ ናስር ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ወቕዒ ብ ሮቡዕ 26 መጋቢት ኣብ ስቶኮልም ከምዝዓረፈ ድሮ ተኸታቲልናዮ ኣሎና።

ኣሕመድ ናስር፣ ኣብ መፋርቕ 1960ታት ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ምጽናብሩ፣ እቲ ውድብ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ሓድሕድ ኣብ 1983 ተበታቲኑ ዝበዝሐ ክፋሉ ናብ ስደት ክሳብ ዘምርሕ ከም ኣቦ መንበር ኮይኑ ዘገልገለ ገዲም ተጋዳላይ’ዩ።

ኣቦ መንበር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ጨንፈር ጅዳ ኣቶ ሮሞዳን ዳራንካ ንታሪኽ ህይወት ገዲም ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር ኣምልኪቱ ኣብ ዝልኣኸልና ጽሑፍ፣ ኣሕ መድ ናስር ኣብ 1944 ኣብ ከባቢ ሓድሽ ኣይሮማለ ኣብ ዝተባህለት ኣብ ቀደም ኣውራጃ ኣከለጉዛይ ናይ ሎሚ ዞባ ደቡብ እትርከብ ዓዲ’ዩ ተወሊዱ።

 

ናይ መባእታ ትምህርቱ ኣብ ጽላል ኣባሓጉኡ ናስር ባሻ ብምዃን ኣብ ዓዲ ቀይሕ ድሕሪ ምክትታል ድማ ናይ ማእከላይ ደረጃ ንምክትታል ናብ ኣቝርደት ኣምሪሑ። ብድሕሪ መንእሰይ ኣሕመድ ናስር ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝርከብ ናይቲ እዋን እቲ ቀሃስ ናይ ሎሚ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቱ ዛዚሙ።

ኣብ መፈለምታ 60ታት ኣብ ተማህሮ ብዝተላዕለ ርሱህ ሃገራዊ ምንቕስቓሳት ዝተጸንበረ ኣሕመድ ናስር፣ ኣብ መፋርቕ 60ታት ድማ ናብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተጸንቢሩ። ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ድሕሪ ምጽንባሩ ድሕሪ ዓመት ማለት ኣብ 1967 ናይ ከቢድ ብረት ስልጠና ንክረክብ ናብ ዒራቕ ተላኢኹ።

ኣሕመድ ናስር፣ ካብ ዒራቕ ድሕሪ ምምላሱ ኣብ 1970 ኣባል ባይቶ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኮይኑ። ኣብ 1975 ድማ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለን ኣቦ መንበር ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ብምዃን ቃልሱ ብዝልዓለ ወኒ ኣብ ምቕጻል ኔሩ።

ህዝባዊ ሓይልታት ኣብ ዝተኻየደ ኵናት ሓድሕድ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ 1983 ተበታቲኑ ዝበዝሐ ክፋሉ ናብ ስደት ክሳብ ዘምርሕ’ውን ከም ኣቦ መንበር ኮይኑ ዘገልገለ ገዲም ተጋዳላይ’ዩ።

ተ.ሓ.ኤ ኣብ 1983 ተበታቲኑ ናብ ስደት ድሕሪ ምምርሑ’ውን ኣሕመድ ናስር ምስ ብጾቱ ኣብ ስደት ኮይኖም ንተጋድሎ ሃርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ዝተሰምየ ውድብ ኣብ ምክያድ ከምዝነበሩን፣ ድሕሪ ናጽነት መላእ ኤርትራ ድማ ምስ ህዝባዊ ግንባር ሃገራዊ ዕርቂ ንምክያድ ከምዝሓተተን’ዩ ዝንገረሉ።

እንተኾነ ኣሕመድ ናስርን ካልኦት ሓያሎ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ንሃገራዊ ዕርቒ ዘቕረብዎ ጻውዒት ብዋና ጸሓፊ ህዝባዊ ግንባርን ናይቲ እዋን እቲ ፕረዚደነት መሰጋገሪ መንግስትን ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከምዝተነጽገ መዛግብቲ ታሪኽ የዘንቱ።

ኣሕመድ ናስር፣ ኦለቲካዊ መድረኽ ኤርትራ ብመንእሰያት ክትካእ ኣለዎ ካብ ዝብል እምነት ካብ 2012 ንደሓር ካብ ዝነበሮ ናይ ተቓውሞ ፖለኢካዊ ጽፍሕታት ብወለንትኡ ከምዝተኣልዩ’ዩ ዝንገር።

ዝኸበርኩም ሰማዕትና፣ ንስድራቤትን ፈተውትን ተጋዳላይ ኣሕመድ ናስር ደጊምና ጽንዓት ይሃብኩም እናበልና፣ ኣሕመድ ናስር መን’ዩ ንዝብል’ውን ብቐረባ ዝፈልጥዎ ብጾቱ፣ ምስ ሬድዮ ኤረና ዘካየድዎ ዕላል ኣብ ናይ ጽባሕ ቀዳም ፈነወ ሬድዮ ኤረና ክቐርብ’ዩ። ኣቐዲምና ምክትታልኩም ንዕድም።
========================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0