ኣልበሽር፣ ኣብ ቅድሚ ኣኽባር ሕጊ ቀሪቡ

Radio Erena: 16 June 2019

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ሓሰን ዑመር ኣልበሽር፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ንመጀመሪያ ግዜ ኣብ ቅድሚ ኣኽባር ሕጊ ቀሪቡ።

ኣልበሽር፣ ብሰንበት 16 ሰነ ኮበር ካብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዝተወስደሉ፣ ብከቢድ ሓለዋ ሰራዊት ተሰንዩ ምንባሩ፣ ካብ ከተማ ካርቱም ዝተመሓላለፈ ዜና የመልክት።

ኣልበሽር ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምግላፉ፣ ብብልሽውናን ብላዕን ተኸሲሱ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ሱዳን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ እቲ ፕረዚደንት ነበር፣ ናይ ወጻኢ ባጤራ ብምውናን፣ ብብልሽውናን ዘይሕጋዊ ህያብ ምቕባልን ዝብሉ ክስታት ተመስሪቱዎ ከምዘሎ ተሓቢሩዎ ኣሎ፣ ክብል ገሊጹ። ንሱ ብተወሳኺ ኣልበሽር ናይቲ ዝቐረበሉ ክስታት ምላሽ ክህብ ዕድል ተዋሂቡዎ ከምዘሎ’ውን ኣረዲኡ።

ንዓሰርተታት ዓመታት ብዲክታቶርያዊ ስርዓት ንሱዳን ዝመርሐ ኣልበሽር፣ ህዝባዊ ናዕቢ ኣብ ዝተላዕለሉ፣ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት መጥቃዕቲ ክካየድ ንሰራዊት ኣዚዙ ዝብል ክስታት እውን ከምዘለዎ ዲፕሎማስያውያን ምንጭታት የረድኡ።

ኣልበሽር ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን’ውን፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዳርፉር ፈጺሙዎ ብዝበሃል ጃምላዊ ህልቂት ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክሲ ተመስሪቱዎ ምንባሩ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0