ኣልበሽር፣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክርከብ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: 10 November 2019

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣልበሽር፣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ክርከብ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ እዋን ህዝባዊ ናዕቢ ሱዳን ዝዓበየ ተራ ዝተጻወተ ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን፣ ቅድሚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣልበሽርን መሳርሕቱን ኣብ ህዝቢ ሱዳን ንዘውረዱዎ ገበን ግቡእ ፍርዶም ክረኽቡ፣ ኣብ ዘ ሄግ ናብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክርከቡ ከምዘለዎም ኣገንዚቡ።

ኣብ 2009 ከምኡ’ውን 2010 ኣብ ዳርፉር ፈጺሙዎም ዝበሃል ገበናት ምጽናት ዓሌት ክስታት ቀሪቡሉ ዘሎ ኣልበሽር ዝግቦኦ ፍርዲ ክረክብ እንተኾይኑ፣ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክለኣኽ ኣለዎ፣ ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣባላት ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ብምሉእ ድምጺ ከምዘጽደቑዎ እዩ ዝግለጽ።

ጠበቓ ኣልበሽር፣ ዘይን ኣልዓብዲን መሓመድ ብኣንጻሩ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣብ ሱዳን ብግቡእ ዝሰርሕ ስርዓተ ፍርዲ ቆይሙ ስለዘሎ፣ ዝኾነ ሱዳናዊ ኣብ ሃገሩ እዩ ጉዳዩ ክረኣየሉ ዝግባእ ክብል ናይ ተቓውሞ ድምጹ ሂቡ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ሱዳን ንኣህጉራዊ ውዕል ገበነኛታት ዝፈረመት ሃገር ስለዘይኮነት፣ ንኣልበሽር ናብ ዘ ሄግ ክትሰዶ ክትቅሰብ ከምዘይትኽእል ገሊጹ።

ምስ ሰራዊት ተጸምቢሩ ዘሎ ህዝባዊ ሓይልታት ምክልኻል ብወገኑ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣልበሽር ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት እንተተላኢኹ፣ ኣብ ሱዳን ዘይጠፍእ ባርዕ ኲናት ክጅምር ሙዃኑ ኣጠንቂቑ።

ኣብ 1989 ኣልበሽር ብዕልዋ ናብ ስልጣን ምስ መጸ ከምዝቖመ ዝንገረሉ እዚ ህዝባዊ ሓይልታት ምክልኻል፣ ምስ ስሩዕ ሰራዊት እታ ሃገር ተጸምቢሩ እዩ ክንቀሳቐስ ጸኒሑ።

እቲ ዕጡቕ ሓይሊ፣ ኣልበሽር ኣብ ሃገሩ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ዘይቃወሞ እኳ እንተኾነ፣ ዝኾነ ሱዳናዊ ካብ ሃገሩ ወጻኢ ክፍረድ ግና ከምዘይቅበሎ የፍልጥ።

ግዚያዊ መንግስቲ ሱዳን፣ ኩሎም ወገናት እንተተሳማሚዖምሉ፣ ምርካብ ኣልበሽር ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከምዘይቃወሞ እዩ ዝገልጽ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0