ኣልሸባብ፣ ኣብ መዓስከር ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ሓያሎ ወትሃደራት ሶማል ተቐቲሎም

Radio Erena: 18 January 2023

ኣልሸባብ፣ ኣብ ሰሜናዊ ሞቛድሾ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ሓያሎ ወትሃደራት ሶማል ከምዝቐተለ ተገሊጹ።

ኣብቲ ‘ሓዋድለይ’ ዝተባህለ፣ ካብ ሞቛድሾ ኣስታት 60 ኪሎሜተር ንሰሜን ርሒቑ፣ ብ17 ጥሪ፣ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ሓሙሽተ ወትሃደራት ከምዝተቐትሉ፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሶማል፣ ጀነራል ዕዳዋ ዮሱፍ ራገ ንራድዮ እታ ሃገር ሓቢሩ።

መሓመድ ዑስማን ዝተብሃለ፣ ኣዛዚ ናይ ሓደ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ብልፍንቲ ኣንጻር ኣልሸባብ ናይ ዝዓጠቐ ሚሊሻ፣ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ ቃል ብወገኑ፣ ብዝሒ ናይቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ወትሃደራት 11 ምዃኑ ጠቒሱ።

ነታጕ ዝጸዓነት መኪና ኣብ ኣፍደገ እቲ መዓስከር ድሕሪ ምፍንጃራ፣ ሒደት ደቓይቕ ጸኒሖም፣ ዕጡቓት ኣልሸባብ ጽዑቕ ቶዅሲ ብምኽፋት’ዮም ነቲ መጥቃዕቲ ኣካይዶሞ።

ኣልሸባብ ነቲ መጥቃዕቲ ዘካይድ ዘሎ፣ ሰራዊት መንግስቲ ንሓያሎ ስትራቴጃዊ ከባቢታት ካብቲ ጉጅለ ከምመንዝዐ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ሰራዊት መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ጽዑቕ መጥቃዕታ ካብ ዝቕተቖጻጸሩ ስትራቴጃዊ ከባቢታት ሓደ፣ ሓራድሒር ዝተባህለ፣ ከም ኣውራ ኣፍደገ ባሕሪ ወይ ወደብ ኣልሸባብ ዝፍለጥ ገማግም ባሕሪ ምዃኑ፣ እቲ መንግስቲ ብ16 ጥሪ ኣፍሊጡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0