ኣልሸባብ፣ ሰለስተ ሰበ ስልጣን ሶማል ቀንጺሉ

ኣልሸባብ፣ ሰለስተ ሰበ ስልጣን ሶማል ቀንጺሉ

Radio Erena: 28 April 2015

Alshebab

ተዳኺሙ’ዩ ክብሃል ዝጸንሐ ሽበራዊ ጉጅለ ኣልሸብባ፣ ኣብ ሶማልን ኬንያን እቲ ዝዓበየ ስግኣት ኮይኑ ምህክላዉ ተገሊጹ።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ እቲ ሽበራዊ ጉጅለ ሰለስተ ስበ ስልጣን ፈደራላዊ መንግስቲ ድሕሪ ምቕንጻሉ’ዩ።

እቶም ብሰንበት 26 ሚያዝያ ብኣልሸባብ ዝተቀትሉ ሰለስተ ሰበ ስልጣን መንግስቲ፣ ኣባል ባይቶ፣ ኣመሓዳሪ ከተማን ላዕለዋይ ኣዛዚ ቤት ማኣሰርቲ’ዮም።

ኣልሸባብ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰበ ስልጣን መንግስቲ’ውን ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስድ ምዃኑ ኣጠንቒቑ ኣሎ።

 

ኣቐዲሙ’ውን ኣልሸባብ ኣብ ሶማልያን ኬንያን ብዘካየዶ ተደጋጋሚ መጥቃዕታት፣ ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲን ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ዝርከብዎም ልዕሊ 400 ሰባት ቀቲሉ’ዩ።

ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኬንያን፣ ብሓባር ድሕሪ ዘካየድዎ ዝተወሃሃደ መጥቃዕታት ኣልሸባብ ካብ ሓያሎ ከባቢታት ክሃድም እኳ እንተተገደደ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ዳግም ህላዌኡ ኣብ ምርግጋጽ ይርከብ።

ኣልሸባብ ብዘይዝኾነ ጸገም ከምዚ ዓይነት ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ከካይድ ምኽኣሉ ነቲ ኣብታ ሃገር ተዋፊሩ ዝርከብ ኣስታት 30 ሽሕ ዝግመት ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃን ፈደራላዊ መንግስትን ፍሽለት ምዃኑ ሓያሎ ወገናት ይገልጹ።

====================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0