ኣልሸባብ፣ ሕነ ናይ ዝተቐትለ መራሒኡ ክፈዲ ምዃኑ ኣጠንቒቑ

ኣልሸባብ፣ ሕነ ናይ ዝተቐትለ መራሒኡ ክፈዲ ምዃኑ ኣጠንቒቑ

Radio Erena: 08 September, 2014

Alshabab

ብደብዳብ ነፈርቲ ኣመሪካ መራሒኡ ዝተቐትለ ኣልሸባብ ሓድሽ መራሒ ረቑሑ።

ዓደን ሓሸ ኣያሮ ኣብ 2008 ብደብዳብ ነፈርቲ ኣመሪካ ምስተቀትለ፣ ነቲ ምስ ኣልቃዒዳ ዝሓበረ ናይ ሽበራ ጉጅለ ዝተረከብ ኣብ መፋርቕ 30ታት ዕድመ ዝርከብ ኣሕመድ ዓብዲ ጎዳነ’ዩ።

ጎዳነ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ስርሒት፣ ምስ ክልተ ናይ ቀረባ መሳርሕቲ ከምዝተቀትለ ምስተረጋገጸ ድማ፣ እቲ ናይ ሽበራ ጉጅለ ሸኽ ኣሕመድ ዑመር ኣቡ ዑበይዳ ዝተብሃለ ካልእ መራሒ ተኪኡ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

 

ምስ ጎዳነ ዝተቐትሉ መራሕቲ ኣልሸባብ መንነቶም ክፍለጥ እኳ እንተዘይክኣለ፣ ሓደ ካብ ኣፈኛታት ኣልሸባብ ሙክታር ሮቡ ክኸውን ከምዝኽእል ማዕከናት ዜና ሶማል ግምታተን ይህባ ኣለዋ።

ናይ ኤርትራ ፓስፖርት ይጥቀም ምንባሩ ዝተገልጸ ሙክታር ሮቦውን ቀዋሚ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ መራሒ ሒዝቡ’ል ኢስላም ሸኽ ዳህር ዕወይስን ብኣመሪካ ካብ ዝህደኑ መራሕቲ ጥሩፋት ጉጅለታት ሶማል’ዮም።

ቅትለት ናይ መራሒኡ ዘረጋገጸ ኣልሸባብ፣ ሓድሽ መራሒ ከምዝተከኣ ድሕሪ ምግላጽ፣ ሕነ ናይ ምፍዳይ መጥቃዕቲ ከካይድ ምዃኑ ኣጠንቒቑ ኣሎ።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0