ኣህጉራዊ ጉጅለ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ጻውዒት ቀሪቡ

ኣህጉራዊ ጉጅለ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ጻውዒት ቀሪቡ

demo ethiኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካዪዱ ዝነበሩ ሰባት ዝወረደ መቕተልቲ ዝምርምር ኣህጉራዊ ጉጅለ ናብታ ሃገር ክኣቱ ጻውዒት ቀሪቡ።
ኣቦ ወንበር ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይድ ኣል ሑሰይን ካብ ከተማ ጀኔቫ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ እቲ ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ኦሮምያን ኣምሓራን ናይ ኢትዮጵያ ጠያይት ብምትኳስ ሞት ልዕሊ 90 ሰባት ዘስዓበ ኣካል ዝምርምር ኣህጉራዊ ጉጅለ ናብታ ሃገር ብምእታው መርመራ ከካይድ ጠሊቡ።

 

ንሱ ብረቡዕ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ቤት ጽሕፈቱ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ይዘራረብ ከምዘሎ ድሕሪ ምጥቃስ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዞባታት ኣምሓራን ኦሮምያን ንኣህጉራውያን ተዓዘብቲ ክፉት ብምግባር ክተሓባበር፣ ከምኡ’ውን ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተቐየዱ ሰላማውያን ሰባት ብቕጽበት ናጻ ክወጹ ጸዊዑ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ጻውዒት’ዚ ከምዘይቅበሎ ብመንገዲ ኣፈኝኡ ኣቢሉ ኣፍሊጡ።
ወሃብ ቃል ጌታቸው ረዳ ትማሊ ሓሙስ ምስ ኣልጀዚራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብድሕነት ዜጋታቱ ቀዳማይ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል ብምዃኑ፣ ናይ ደገ ተዓዛቢ ጉጅለ ከምዘየድልዮ ገሊጹ።

ንሱ ብተወሳኺ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኢትዮጵያ ስለዘሎ፣ ሓድሽ ጉጅለ ምልኣኽ ኣገዳስነት ከምዘይብሉ ሓቢሩ። ሓይልታት ጸጥታ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ጎነጽ ኣካዪዶም እንተኾይኖም መንግስቲ ናይ ገዛእ ርእሱ መርመራ ከካዪድ ምዃኑ’ውን ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።

እንተኾነ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘይድ ኣል ሑሰይን ኣብ ቃሉ፣ ኣብ ወርሒ ጥሪ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት ድሕሪ ምቕታሉ ዝጀመረ ዝርርብ ኣብ መንጎ ቤት ጽሕፈቱን ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ክሳብ ሕጂ ፍረ ከምዘይተረኽቦ ይገልጽ።

ግሉጽን ናጻን መርመራ ተኻዪዱ፣ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ሰባት ዝወረደ ግፍዒ ሓላፍነት ዝስከመሉ ኣካል ክሳብ ዘይተረኽበ፣ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጻዕርታቱ ክቕጽል ምዃኑ’ውን ኣፍሊጡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0