ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ብሩንዲ ተፈጺሙ ንዝተባህለ ገበን ክምርመር ወሲኑ

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ኣብ ብሩንዲ ተፈጺሙ ንዝተባህለ ገበን ክምርመር ወሲኑ

Radio Erena: 12 November 2017

Nkurunzizaኣብ ብሩንዲ ተፈጺሙ ንዝተባህለ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት ክምርመር ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት ንዘቕረቦ ጠለብ፣ መንግስቲ ብሩንዲ ከምዘይቅበሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘሕለፎ ውሳኔ፣ ኣብ ብሩንዲ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2015 ክሳብ ጥቅምቲ 2017 ኣብ ዘሎ ግዜ ንፕረዚደንት ፒየር ንኩሩንዚዛ እሙናት ብዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ተፈጺሙ ንዝተባህለ ዝተፈላለየ ዓይነት ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ወግዓዊ መርመራ ክግበረሉ እዩ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ ፕረዚደንት ንኩሩንዚዛ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ፣ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ብሩንዲ ኣትዩ መርመራ ከካዪድ ኣጸጋሚ ከምዝኸውን ተቓወምቲ ፖለቲከኛታት’ታ ሃገር ይገልጹ።

ሚኒስትሪ ፍትሒ ብሩንዲ ንውሳኔ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ብምቅዋም ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ መንግስቲ ብሩንዲ ነቲ ክሲ ከምዘይቅበሎን ዝኾነ ዓይነት ምትሕብባር ከርእይ ከምዘይኮነን ኣፍሊጡ።

ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበነኛታት፣ ነቲ ብኣባላት ሰራዊት ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ቅትለት፣ መግረፍቲ፣ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ገበናትን፣ ካብታ ሃገር ተሰዲዶም ኣብ ታንዛንያን ሩዋንዳን ምስ ዝርከቡ ግዳያትን ቤተሰብ ግዳያትን ብምዝርራብ ጭብጥታት ምእካብ ከም ኣማራጺ ጌሩ ክወስዶ ተቓወምትን ተጣበቕቲ መሰላትን ብሩንዲ ይጠልቡ።

ኣብ 2015 ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብሩንዲ፣ ፕየር ንኩሩንዚዛ፣ ንቅዋም’ታ ሃገር ብምቕያር ንሳልሳይ እዋኑ ክወዳደር ድሕሪ ምኽኣሉ ከምዝተዓወተ’ኳ እንተተገልጸ፣ ተቓወምቱ ‘ቅዋም ረጊጽካ’ ብምባል ነቲ ውጽኢት ስለዘይተቐበሉዎ ሕንፍሽፍሽ ተፈጢሩ ልዕሊ ሓደ ሽሕ ሰባት ህይወቶም ክስእኑ እንከለዉ ልዕሊ 400 ሽሕ ሰባት ከኣ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም’ዮም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0