ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ንኢትዮጵያ ዝኣተዎ ናይ 2.9 ቢልዮን ዶላር መብጽዓ፣ ዝተረፈ ክፋሉ ንኸረክባ ናይ ፖሊሲ ምትዕርራይ ክትገብር ሓቲቱ

Radio Erena: 25 February 2021

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ 2019 ኣትሒዙ፣ በብእዋኑ ከለቀሖ ካብ ዝወሰነ 2.9 ቢልዮን ዶላር፣ ነቲ ዝተረፈ፣ ከሰጋግረሉ እንተኾይኑ፣ ምስ ዘሎ ኩነታት ዝኸይድ ናይ ፖሊሲ ምትዕርራይ ክገብር ሓቲቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ተፈጢሩ ዘሎ ውሽጣዊ ጸጥታዊ ጉዳያትን፣ ዝተረፈ ልቓሕ ንምስግጋር፣ ዳግመ መጽናዕቲ መደባት ምክያድ ከምዘድሊ፣ ሓንቲ ካብ ሓለፍቲ ናይቲ ኣህጉራዊ ፊንናስያዊ ትካል፣ ሶናሊ ዠን ቻንድራ ኣብሪሃ።

ንሳ ብተወሳኺ፣ ብፍላይ ጸጥታዊ ኩነታት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሰብኣዊን ዳግመ ህንጻን ዘተኮረ ጠለባት ስለዘዕበዮ፣ ናይ ፖሊሲ ምስትኽኻልን ደገፍ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብን ከምዘድሊ ኣስሚራትሉ።

ሓደ ካብ መወልቲን ቀንዲ ኣለቓሕትን ኢትዮጵያ ዝኾነ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ከካይዶ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ ዝርርብ፣ ኣብዚ ዝቐረበ ቅድመ ኩነት፣ ኣብ ምርድዳእ ከምዝበጽሐ’ዩ ኣመልኪቱ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ሰለስተ ዓመት ካብ ዝተኣትወላ ናይ ኣስታት 3 ቢልዮን ዶላር መብጽዓ፣ ክንደይ ካብኡ ተቐቢላቶ ኣላ ክንደይ ከ ተሪፉ ኣሎ ኣይተጠቕሰን።

ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ኣሎ ዝበሎ ጸጥታዊ ኩነታት፣ ብዝርዝር እኳ እንተዘየነጸረ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ኣብ ካልኦት ክልላት ድማ ጸጸኒሑ ዝነቱግ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወሃብቲ ርእይቶ ይሰማምዑ።

ብፍላይ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኵናትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይኣቱ ምዕጋቱን ካብ ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ተቓውሞታት ይዘንቦ ከምዘሎ ዝፍለጥ’ዩ።

መንግስቲ ጀርመን’ውን ንኢትዮጵያ ክህቦ ካብ ዝመደበ ኣስታት 400 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ፣ ከደስክሉ ከምዝኽእል ተሰሚዑ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ብዝዓረገ ናይ ብሄር ግጭታትን ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናትን ተደማሚሩ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ዓመት፣ ንወፍሪ ካብ ዘይጥመታ ሃገራት ጌሩዋ ምህላዉ’ዩ ዝቓላሕ።

ብሰንኩ ድማ፣ እዛ ናብ ክልተ ዲጂት ዕብየት ቁጠባ ክትመጣተር ዝጸንሐት ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ዓመት ካብ 2% ክሓልፍ ከምዘይክእል ተገሚቱ ኣሎ።
=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0