ኢጣልያ 5 ሽሕ ሰራዊት ናብ ሊብያ  ንምልኣኽ ትሸባሸብ

ኢጣልያ 5 ሽሕ ሰራዊት ናብ ሊብያ ንምልኣኽ ትሸባሸብ

Radio Erena: 20 February 2015

Italy

ኢጣልያ ኣስታት 5 ሽሕ ሰራዊት ናብ ሊብያ ክትልእኽ ምዃና ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ሊብያ፣ ምንቕስቓስ ዳዒሽ (ISIS) ዞባዊ ስግኣት ፈጢርሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ኢጣልያ ኣስታት 5 ሽሕ ሰራዊት ናብታ ሃገር ንምውፋር ወጢና ከምዘላ ሰበ ስልጣን እታ ሃገር ኣሚቶም።

እቲ ጥሩፍ ጉጅለ፣ ካብ ግብጺ ዝጨወዮም 21 ኣመንቲ ክርስትና ብዘስካሕክሕ ኣገባብ ከምዝቐተሎም ዘርኢ ቪድዮ ድሕሪ ምዝርግሑ፣ መንግስታት ግብጽን ሊብያን ናይ ነፍርቲ መጥቃዕታት ከምዘካየዱ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ምስ ሊብያ ብመንገዲ ማእከላይ ባሕሪ እትዋሰን ኢጣልያ ድማ እቲ ምንቕስቓስ ከይስፋሕፍሕ ካብ ምስጋእ ብዘመናዊ ኣጽውራ ዝተሰነየ ኣጋር ሰራዊት ንምልኣኽ ትሓስብ ዘላ።

 

ሚኒስተር ምክልኻል ኢጣልያ ሮበርት ፖነቲ፣ እቲ 5 ሽሕ ዝብዝሑ ሰራዊት ኣብ ተጠንቐቕ ከምዘሎ ከረጋግጽ እንከሎ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ማትዮ ረንዚ ድማ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ቅልጡፍ መልሲ ክሳብ ዝረኽቡ እቲ ሰራዊት ካብ ምውፋር ደው ኢሉ ምህላዉ ኣገንዚቡ።

እዚ ኣብ ሊብያ ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት፣ ንኢጣልያ ብጉዳይ ምስፍሕፋሕ ዳዒሽ ጥራይ ዘይኮነ ብጉዳይ ፍኑው ዋሕዚ ስደተኛታት’ውን ኣሻቒሉዋ ይርከብ።

=================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0