ኢጣልያ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ሞያዊ ስልጠና ንምውፋሮም ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣበርኪታ

ኢጣልያ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ሞያዊ ስልጠና ንምውፋሮም ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣበርኪታ

Radio Erena: 27 July 2017

ethio

ኢጣልያ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ክረኽቡ ዘኽእሎም ሞያዊ ስልጠና ዝውዕል ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ኣበርኪታ።

እቲ ብወኪል ኢጣልያ ንልምዓትን ምትሕግጋዝን ዝተለገሰ ገንዘብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትካላት ፍርያት ቆርበትን ካልኦት ፋብሪካታትን ስልጠናታት ንኽረኽቡ ክሕግዞም ምዃኑ ይግለጽ።

ነቲ ናይ ምትሕግጋዝ ብ18ን 19ን ሓምለ ምስ ኢጣልያ ስምምዕ ዝኸተማ ትካላት ሕቡራት ሃገራት፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታትን ማሕበር ኢንዱስትርያዊ ልምዓትን ኮይነን፣ እቲ ንሰለስተ ዓመታት ዝቕጽል ናይ ስልጠና መደባት’ውን ብመንገደን ክካየድ ምዃኑ’ዩ ተሓቢሩ።

 ኢትዮጵያ ንኣስታት 100 ሽሕ ስደተኛታት ናይ ስራሕ ዕድል ክትፈጥር መደብ ከምዘለዋ ባንክ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ምግላጹ ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ’ውን ነቶም ኣብ ሕርሻ ዝነጥፉ ስደተኛታት ደቡብ ሱዳንን ሶማልን ኣስታት 10 ሽሕ ሄክታር መሬት ብምዕዳል ህይወቶም ክመርሑ ዝብል መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ኢትዮጵያ፣ ነዚ ንምትግባር ካብ ባንክ ዓለም፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብሪጣንያ፣ ጀርመንን ካልኦት ሃገራትን ልዕሊ ፍርቂ ቢልዮን ዶላር ሓገዝ ምሕታታ ይፍለጥ።

እንተኾነ፣ ልዕሊ 80 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ብዘይ ስራሕ ናይ ዝነብሩ ዜጋታት ብዝሒ ኣስታት 18 ሚእታዊት ስለዝበጽሕ፣ ንዜጋታታ ናይ ስራሕ ዕድል ክትፈጥር ዘይክኣለት ሃገር ንስደተኛታት ብፍሉይ ኣብ ስራሕ ከተዋፍር ኣጸጋሚ ምዃኑ’ዮም ሓያሎ ወገናት ዝሰማምዑ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0