ኢጣልያ፣ ኣብ ሓሙሽተ መዓልታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 8 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒና

ኢጣልያ፣ ኣብ ሓሙሽተ መዓልታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 8 ሽሕ ስደተኛታት ካብ ማእከላይ ባሕሪ ኣድሒና

Radio Erena: 04 August 2016

It Nav

ኢጣልያ ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ መዓልታት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 8 ሽሕ ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከምዘድሓነት ኣፍሊጣ።

ሓለዋ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ 1800 ስደተኛታት ከምዘድሓነ ዝሓበረት ኢጣልያ፣ ኣማኢት ቆልዑን ደቂንስትዮን ከምዝርከብዎም ሓቢራ።

ሓይሊ ባሕሪ እታ ሃገር፣ ‘ስርሒት ሶፍያ’ ኣብ ዝሰመዮ ህይወት ስደተኛታት ካብ ባሕሪ ናይ ምድሓን 16 ወፍሪታት፣ ኣብ 14 ዝተነፍሓ ናይ ጎማ ጃላቡ ዝተጻዕኑ ብድምር 8300 ስደተኛታት ናብ ገማግም ባህሪ ኢጣልያ ምስጋሩ ገሊጹ።

 

እዚ ድማ ነቲ ዓመተ 2016 ካብ እትጅምር ክሳብ ሕጂ ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያን ግብጽን ናብ ኢጣልያ ናይ ዝኣተዉ ብዝሒ ስደተኛታት ናብ 94 ሽሕ ክብ ኣቢልዎ ኣሎ።

ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያን፣ ህጹጽ ህይወት ኣድሕን ማእከላይ ባሕርን፣ ሓካይምን ብዘይ ዶብን ብዘዋፈሩወን መራክብ ክንድዚ ዝኣክል ብዝሒ ስደተኛታት ክድሕኑ እኳ እንተኸኣሉ፣ ኣማኢት ኤርትራውያን ዝርከብዎም ልዕሊ 3 ሽሕ ግና ህይወትም ስኢኖም’ዮም።

ኢጣልያ፣ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ቅድሚ ምስጋሮም ንምዕጋቶም ምስ መንግስታትን ሱዳንን ሊብያን ሓያሎ ስምምዓት ኣብ ምክያድ’ያ ትርከብ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0