ኢጣልያ፣ ብሰንኪ ኮሮና ቫይረስ ሃገር ምልእቲ ተወሺባ

Radio Erena: 11 March 2020

መንግስቲ ኢጣልያ፣ ነቲ ስግኣቱ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ዝምጽእ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ኮሮናቪረስ ንምግታእ፣ ካብታ ሃገር ምውጻእ ይኹን ናብ ሃገር ንምእታው ንዘይተወሰነ ግዜ ደው ክብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ኣቐዲሙ ኣብ ሰሜናዊ ክፍላ እታ ሃገር ንዝተኣወጀ፣ ንምንቕስቓስ ሰባት ዝድርት ትእዛዝ፣ ካብ ሰኑይ 9 መጋቢት ኣትሒዙ፣ ነቲ ኣስታት 60 ሚልዮን ዝግመት መላእ ህዝቢ ኢጣልያ ከምዝምልከቶ’ዩ ተነጊርዎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ዡሰፐ ኮንተ፣ መላእ ኢጣልያ ክትውሸብ ዝወሰነሉ ምኽንያት፣ ኣብ 24 ሰዓታት ልዕሊ ሓደ ሽሕ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ስለዝተረኽቡ’ዮም።

ኢጣልያ እታ ኣብ ኤውሮጳ ቀንዲ ግዳይ እዚ ሕማም ኮይና፣ ዛጊት ልዕሊ 9 ሽሕ ሰባት እቲ ቫይረስ ክርከቦም እንከሎ ልዕሊ 460 ድማ ሞይቶም።

ብዘይካ’ዚ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሓያሎ ሃገራት ብስራሕን ዑደትን ዝገሹ ኢጣልያውያን፣ ኣብ ዝኣተዉለን ሃገራት እንተወሓደ ንክልት ቅነ ይውሸቡ ኣለዉ።

ናይ ዕረፍቲ ግዜኦም ዛዚሞም፣ ብ29 ለካቲት ናብ ኣስመራ ዝተመልሱ ሽዱሽተ መማህራን ቤት ትምህርቲ ኢጣልያ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ከባቢ ቪላጆ ተወሺቦም ከምዘለዉ ይፍለጥ።

ድሕሪ ኢጣልያ ኣብ ካልኣይ ደረጅ ተሰሪዓ ዘላ ፈረንሳ ብወገና፣ 19 ሰባት ብሰንኪ እዚ ቫይረስ ክሞቱ እንከለዉ፣ ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ሓያሎ ኣባላት ፓርላማንን ዝርከብዎም ልዕሊ 1000 ሰባት ምልክታት እቲ ሕማም ተራእዮም።

ኮሚድ 19 እናተባህለ ዝጽዋዕ ዘሎ፣ ረስኒ፣ ሰዓል፣ሕጽረት ምስትንፋስ፣ ምጭብባጥ ጭዋዳድን ቅርጣማትን ዝምልክታቱ ሕማም ኮሮናቫይረስ፣ ብደረጃ ዓለም ስግኣት ፈጢርሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ምንቅስቓስ ሰባትን ንግድን ይድርት ብምህላው፣ ዓለምና ናብ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላው ከይትሽመም’ውን ተሰጊኡ ኣሎ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0