ኢጋድ፣ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ፍሉይ ዋዕላ ኣካይዱ

ኢጋድ፣ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ፍሉይ ዋዕላ ኣካይዱ

Radio Erena: 28 March 2018

IGAD 26

ኢጋድ፣ ብ ጉዳይ ሱዳን ብምትኳር ብ26 መጋቢት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ፍሉይ ዋዕላ ኣካይዱ።

ኣብቲ መበል 61 ፍሉይ ዋዕላ፣ ሚኒስተራትን ወከልቲ ሚኒስትርታትን ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፣ ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ ደቡብ ሱዳንን፣ ሶማልያ፣ ኡጋንዳን ኬንያን ክሳተፉ እንከለዉ፣ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕቡራት ሃገራት፣ ሕብረት ኤውሮጳን፣ ቻይናን ካልኦት መሻርኽቲ እቲ ዞባ’ውን ውድብ’ውን ከምዝተረኽቡ መግለጺ ኢጋድ ኣፍሊጡ።

ውሽጠ-መንግስታዊ በዓልስልጣን ንልምዓትን ወይ ኢጋድ፣ ኣብቲ ብዋና ጸሓፊኡ ማሕቡብ ማዓሊም ተመሪሑ ዘካየዶ ፍሉይ ዋዕላ፣ መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬክ ማሻር ናዕቢን ጎነጽን ካብ ምጽዋዕ እንተተቖጢቡ ኣብ ልዕሊኡ ተነቢሩ ዘሎ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ብዝቀልጠፈ ክልዓል ወሲኑ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ጉዳይ ደቡብ ሱዳን ዝተጀመረ መስርሕ ሰላምን ርክባትን ኢጋድ ብስሩዕ ክቅጽል ብምስምማዕ፣ መራሕቲ ኣባላት ሃገራት ኢጋድ ስሩዕ ዋዕልኦም ዘካይድሉ ግዜ ክሰርዕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኩሎም ወገናት ደቡብ ሱዳን ካብ ተጻብኦን ንናዕብን ጎነጽን ዝቱኽቱኽ ተግባራትን ክቑጠቡ ብምዝኽኻር ከኣ፣ ነዚ ዘየኽብሩ ኣካላት እገዳ ንክግበረሎም ብዛዕባ ዘሎ ተኽእሎ ጸብጻቡ ናብ ሕብረት ኣፍሪቃ ከሕልፍ ተሰማሚዑ።

ኢጋድ፣ ኤርትራ እትርከበን ሸሞንተ ኣባላት ሃገራት ኣለዎ።

እንተኾነ ኤርትራ ካብ ንጥፈታት እዚ ዞባዊ ውድብ ተነጺላ ትርከብ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0