“ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ቅልጡፍ ፍታሕ እንተዘይረኺቡ፣ ኣብ ዓለምና ዝዓበየ ናይ ስደተኛታት ዋሕዚ ክትፈጥር’ዩ” ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ

Radio Erena: 25 February 2021

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ቅልጡፍ ፍታሕ ክረክብ እንተዘይክኢሉ፣ ኣብ ዓለም ሓደ ካብ ዓበይቲ ጠንቂ ዋሕዚ ስደት ክኸውን ከምዝኽእል፣ ኣብታ ሃገር ናይ ገምጋም ዑደት ዘካየደ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፊንላንድን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳን ፔካ ሃቪስቶ ገሊጹ።

ንሱ፣ ድሕሪ’ቲ ካብ 7 ክሳብ 10 ለካቲት ኣብ ኢትዮጵያ ዘካየዶ ዑደት፣ ብ23 ለካቲት፣ ንቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታት፣ መጀመርያ ናይቲ ብሕጂ ዝስዕብ ናይ ስደተኛታት ቅልውላው ክብል ገሊጹ።

ሕብረት ኤውሮጳን ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብ ዓለምን፣ ቅልጡፍ ግብረ መልሲ እንተዘይሂቡሉ፣ ናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ክኸውን ከምዝኽእል ዝኣመተ እቲ ሚኒስተር፣ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት፣ ልዕሊ ሰለስተ ወርሑ ኣቑጺሩ እኳ እንተሎ፣ ዝውዳእ ከምዘይመስል ኣስሚርሉ።

ኣብ ትግራይ፣ ብሰራዊት ኤርትራ’ውን ከይተረፈ ጾታዊ ዓመጽን ካልእ ዘሰንብድ ግፍዕታት ተፈጺሙ’ዩ ዝበለ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኤውሮጳ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሓብኦ ይጽዕር ምህላዉ ኣተሓሳሲቡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ብግቡእ ዝተረድአ ኣይመስልን ብምባል ድማ እቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ፣ ኣትዩዎ ካብ ዘሎ ኩነታት ንምውጻእ ይኹን ንምርግጋእ ብቕዓትን ዓቕሚን ከምዘይብሉ ኣንፊቱ።

ፔካ ሃቪስቶ ኣብ መወዳእታ፣ ኣስታት 6 ሚልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ትግራይ፣ እቲ ፍርቂ ተጻባይ ህጹጽ ናይ መግቢ ረድኤት ኮይኑ ከምዘሎ ብምዝኽኻር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትካላት ረዲኤት ናብቲ ከባቢ ክኣትዋ ከፍቅድ ተማሕጺኑ።

ኣብ ርእሲ’ዚ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝብሃል ክሳብ ኣብ ዓሌት ዘተኮረ ጎነጽን ጾታዊ ዓመጽን ዘጠቓለለ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ተፈጺሙ ከይከውን ብናጻ ኣካል ክጻረ ተላብዩ።

ንሱ፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ ሓያሎ ከባቢታት ንምብጻሕ መደብ እኳ እንተነበሮ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘይፈቐደሉ’ዩ ጠቒሱ።

110 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ፣ ብዘይካ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ኣብ ካልኦት ክልላት ብዝካየድ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት’ውን፣ ኣሽሓት ሰባት ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ይስደዱ ኣለዉ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0