ኢትዮጵያ ካብ ዲጋ ተሃድሶ ሓይሊ ጸዓት ከተመንጩ ምጅማራ፣ መንግስቲ ግብጺ ተቓውሞኡ ገሊጹ

Radio Erena: 22 February 2022

ኢትዮጵያ ካብ ዲጋ ተሃድሶ ሓይሊ ጸዓት ከተመንጩ ምጅማራ፣ መንግስቲ ግብጺ ተቓውሞኡ ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ብ21 ለካቲት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኢትዮጵያ ንስምምዕ 2015 ጥሒሳ ካብ ዲጋ ተሃድሶ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከተመንጩው ምጅማራ፣ ንሰለስቲኤን ሃገራት ዘሰማምዕ መሰረታዊ ሓሳብን ንኣህጉራዊ ሕጊን ረጊጻ ኣላ ብምባል ከሲሱ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ዝተረኽበሉ ብሰንበት 20 ለካቲት ወግዓዊ ስርሑ ዝጀመረ ዲጋ ተሃድሶ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ 375 ሜጋዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ የመንጩው ኣሎ።
ኣብ እዋን ምምራቕ’ቲ ዲጋ ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ዋላ’ኳ’ቲ ዲጋ ኤለክትሪክ ከመንጩው ጀሚሩ እንተሎ፣ ዋሕዚ ማይ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ግና ኣየቋረጸን፣ ስለዚ ኣብ ልዕሊ ግብጻውያን ስግኣት ክኣትዎም የብሉን’ ኢሉ።
ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ፍልልያተን ኣብ ኣጠቓቕማ ፈለግ ናይል፣ ብዘተ ክፈትሖኦ ዝሕግዝ ብክኢላታት ተክኒክ ዝቖመ ሓደ ጉጅለ መስሪተን ምንባረን ዝፍለጥ’ዩ።
እንተኾነ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ተጸሚዳ ብምህላዋ፣ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ 2021 ኣትሒዙ ኣብ መንጎ ግብጺ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዝነበረ ዘተ ብወግዒ ደው ኢሉ እዩ ጸኒሑ።
ግብጺ ካብተን ብዋሕዲ ማይ ዝሳቐያ ሃገራት ዓለም ሓንቲ ምዃናን፣ ካብ ፈለግ ናይል እትረኽቦ ማይ ከኣ ብሚልዮናት ዝቑጸር ካብ ህዝባ ዝዕንገለሉ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ከተፍልጥ ጸኒሓ’ያ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0