ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ምዃኑ መራሕቲ ሱዳንን ግብጽን ብሓባር ገሊጾም

Radio Erena: 19 May 2021

ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ንሱዳንን ግብጽን ስግኣት ሃገራዊ ድሕነት ምዃኑ መራሕቲ ክልትኤን ሃገራት ብሓባር ገሊጾም።

ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲን ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃንን፣ ነዚ ዝገለጹ፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ 14 ግንቦት ኣብ ፓሪስ ዝተኻየደ ዋዕላ ሱዳን ኣብ ዘካየድዎ ርክብ’ዩ።

ክልቲኦም መራሕቲ፣ ብዛዕባ’ቲ ዲጋን ካብ ናይል ማይ ዝመልኣሉ ኣገባባትን ብዝምልከት ሓባራዊ መርገጺ ክሕዙን ዘይልወጥ ሕጋዊ ስምምዕ ክገብሩን ኣብ ዝብል ነጥብታት ክረዳድኡ ምዃኖም ማዕከን ዜና ዓረብ ኒውስ ኣመልኪቱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዘሎ ወጥሪ ድሕሪ ምዝታይ፣ ኣብዚ ጉዳይ’ውን ብሓባር ክሰርሑ ከምዝተረዳድኡ እቲ ማዕከን ዜና ኣገንዚቡ።

ግብጺ፣ ንሱዳን ንምሕጋዝ ብመንግስቲ ፈረንሳ ዝተወስደ ተበግሶ ንምድጋፍ ብዝልዓል ክትሰርሕ ምዃና ዘረጋገጸ ፕረዚደንት ኣል ሲሲ፣ ምስ ሱዳን፣ ኣብ ኩሉ መዳያዊ ምትእስሳር ክህሉ፣ ንክልቲኤን ሃገራት ጉዳይ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ጀነራል ኣል ቡርሃን ብወገኑ፣ ግብጺ ምስ ሱዳን ብምውጋን እትገብሮ ዘላ ምትሕግጋዝ ድሕሪ ምምስጋን፣ ሱዳን ብወገና ግብጺ ንእትጠልቦ ሓገዛት ከተማልእ ድልውቲ ምዃና ኣረጋጊጹ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0