ኢትዮጵያ ንወደብ ፖርት ሱዳን ከም ኣማራጺ ክትጥቐመሉ ምዃና ተገሊጹ

ኢትዮጵያ ንወደብ ፖርት ሱዳን ከም ኣማራጺ ክትጥቐመሉ ምዃና ተገሊጹ

Radio Erena: 06 January 2015

PorSu

ኢትዮጵያ ንወደብ ፖርት ሱዳን ከም ኣማራጺ ክትጥቀመሉ ምዃና ተገሊጻ።

እታ ሃገር፣ ነቲ ኣብ ጅቡቲ ዘለዋ ምሉእ ጽግዕተኝነት ናይ ወደብ ንምእላይ፣ ንወደባት ላሙ ናይ ኬንያን ባርባራ ናይ ሶማልን ከም ኣማራጺ ክትጥቐመሉ ከምእትኽእል ክግለጽ ዝጸንሐ ኮይኑ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ንፖርት ሱዳን ከም ተወሳኺ ኣማራጺ ኣቕሪባ ኣላ።

ኢትዮጵያ 50 ሽሕ ቶን ዱኽዒ በዚ ናይ ሱዳን ወደብ ንምእታው መደብ ከምዘለዋ’ውን ንመግለጺ ሚኒስተሪ መጓዓዝያ እታ ሃገር ብምጥቃስ ሱዳን ትሪቡን ሓቢሩ።

 

ድሕሪ’ቲ ናይ 1998 ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ነቲ ዝሓሸ ኣማራጺኣ ዝነበረ ወደብ ዓሰብ ክትግልገለሉ ዘይክኣለት ኢትዮጵያ፣ ብምሉኡ ናይ ወደብ ኣገልግሎታ ካብ ጅቡቲ’ያ ትረኽቦ ዘላ።

መንግስቲ ጅቡቲ ብዘይካ’ቲ ዝጸንሐ ወደብ፣ ንኢትዮጵያ ቀዳምነት ዝህብ ካልእ ወደብ ኣብ ምህናጽ ምህላዉ ኣቐዲሙ ተገሊጹ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ሓንጺጻቶ ንዘላ ገዚፍ ናይ ልምዓት መደባት ንዘድልያ ነገራት እቲ 90 ሚእታዊት ብወደብ ጅቡቲ ከምእተእትዎ’ዩ ዝፍለጥ።

ንኣገልግሎት ወደብ ጥራይ ድማ ዓመታዊ ኣስታት 300 ሚልዮን ዶላር ባጀት ከምእትስልዓሉ’ዩ ይንገር።

===================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0