ኢትዮጵያ፣ ፍቓድ ሮይተርስ ኣጊዳ፣ ንቢቢሲን ዶቸ ቬለን ድማ መጠንቀቕታ ሂባ

Radio Erena: 20 Movember 2020

ንሜድያታት ፍቓድ ዝህብ በዓል መዚ ፈነወ ኢትዮጵያ፣ ንኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሂብዎ ዝነበረ ፍቓድ ከምዝሰሓቦ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል መዚ፣ ንቢቢሲን ካብ ጀርመን ንእትፍኖ ዶቸ ቬለን’ውን መጠቐቕታ ምሃቡ ገሊጹ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሓያሎ ኢትዮጵያውያን ጋዜጠኛታትን ነጠፍትን ኣብ ምእሳር ዝርከብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ እታ ሃገር ንዝጸንሓ ናጽነት ፕረስ ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ የውርዶ ምህላዉ ይውቀስ።

ኤርትራ፣ ብናጽነት ፕረስ፣ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ሃገራት ምስ ቀዳሚት ሰለስተ እትስራዕ ኮይና፣ ኢትዮጵያው’ውን ኣብ ዝመጽእ ዓመት ናብዚ ደረጃ’ዚ ክትወርድ ከምእትኽእል ተንንተንቲ እዚ ዓውዲ ይእምቱ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0