ኢትዮጵያ፣ ፈላሚት ጓለነስተይቲ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተሸይማ

ኢትዮጵያ፣ ፈላሚት ጓለነስተይቲ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ተሸይማ

Radio Erena: 02 November 2018

Ethio high court president

ባይቶ ወከል ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ፣ ናይ ፈለማ ጓለነስተይቲ ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክትከውን መሪጹ።

ፓርላማ ኢትዮጵያ ብ1 ሕዳር ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፣ ንወይዘሮ መኣዛ ኣሸናፊ ፕረዚደንት ፈደራላዊ ላዕለዋ ቤት ፍድሪ ክትከውን ክመርጻ ብምሉእ እንከሎ፣ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንዝተረቑሐ ምክትል ፕረዚደንት ናይቲ ቤት ፍርዲ ኣቶ ሰለሙን ኣረዳ ድጋፉ ሂቡ።

ፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ተመሪጻ ዘላ ወይዘሮ መኣዛ፣ ብሕጊ ዝተማህረትን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ሕጊ ሞያ ዝተሰርሐት ኮይና፣ ንመሰል ደቂንስትዮ ካብ ዝጣበቓ ግኑን ስም ዘለወን ዜጋታት ኢትዮጵያ ምዃና ሰነዳታ የመልክት።

ኣብ ናይ ለውጢ መድረኽን ናይ ምስግጋር እዋንን እትርከብ ኢትዮጵያ ኣቐዲማ፣ ኣብ ታሪኻ ናይ ፈለማ ጓለነስተይቲ ፕረዚደንት ክትከውን ከምዝሸመት ይፍለጥ።

ን10 ካብ 20 መናብር ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያን ሒዘን ዝርከባ ደቂንስትዮ፣ ኣብዚ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ለውጢ መድረክን ናይ ምስግጋር እዋንን ዓቢ እጃም ከበርክታ ትጽቢት ኣሎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0