ኢትዮጵያ፣ ጸጸኒሑ ብዝነቱግ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭት፣ ኣብ ምዕራብ ወለጋ፣ ዛጊት ብዝሖም ዘይተፈልጠ ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: Friday, 02 April 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣  ብሰንኪ’ቲ ጸጸኒሑ ዝነቱግ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ኣብ ክልል ኦሮሞያ፣ ምዕራብ ወለጋ፣ ዛጊት ቁጽሮም ዘይተፈልጠ ሰባት ተቐቲሎም።

ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ እቲ ብ30 መጋቢት ዝተኻየደ ግጭት፣ ኣብ ዞባ ባቢ ጋምቤል ኣብ  እትርከብ፣  ቦኔ ኣብ ዝተባህለት ቁሸት’ዩ ኣጋጢሙ።

እቲ መንግስቲ ብተወሳኺ፣ ጠንቂ ቅትለት ሰለማውያን ሰባት፣ ኣብቲ ዞባ ዝንቀሳቐስ፣ ኦነግ-ሸኔ ዝተባህለ ዕጡቕ ሓይሊ ምዃኑ ወቒሱ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ምርጫ ክካየድ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ሓይልታትን ፖለቲካዊ ውድባትን ኦሮሞ ዘይምርድዳእ ብምኽሳቱ፣ ዝበኣሰ ናዕብን ግጭታትን ከጎሃህር ከምዝኽእል ይዝረብ ኣሎ።

ኣብ ኵናት ትግራይ ተሸሚሙ ዝርከብ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብቲ ካልእ ዞባታት  ንዝካየድ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታትን ቅትለት ሰለማውያን ሰባትን ብዙሕ የተኩረሉ ከምዘየለ’ዮም ሓያሎ ወገናት እታ ሃገር ዝጠቕሱ።

================ 

COMMENTS

WORDPRESS: 0