ኢትዮጵያ፣ ግብጺ ሱዳን፣ ኣብ ጉዳይ ዲጋ ተሃድሶ ዝጸንሐን ዘይምርድዳእ ክሳብ 15 ጥሪ 2020 ክፈትሓ ብመንገዲ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ስምምዕ በጺሐን

Radio Erena: 08 November 2019

ኢትዮጵያ፣ ግብጺን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ዲጋ ተሃድሶ ዝጸንሐን ዘይምርድዳእ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ክልተ ኣዋርሕ ከፈትሐኦ፣ ብመንገዲ ምምሕዳር ትራም ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ኣፍሊጠን።

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ሰለስቲኤን ሃገራት፣ ሰበ ስልጣን ምምሕዳር ትራምፕን ሓለፍቲ ባንክ ዓለምን ኣብ ዝተረኽብሉ፣ ብ6 ሕዳር፣ ኣብ ዋሽንግተን ድሕሪ ዘካየድዎ ዘተ’ዩ እቲ ስምምዕ ተበጺሑ።

እቲ ስምምዕ ብተወሳኺ፣ ክሳብ 15 ጥሪ ኣብ ዘሎ ግዜ ድማ፣ እተን ሃገራት፣ ብዛዕባ’ቲ ዘሰሓሕበን ዘሎ፣ ዲጋ ተሃድሶ ዝሕዞ ዓቐን ማይ፣ ንኽመልእ ዝወስደሉ ግዜ፣ ዝኽተሎ ኣገባባትን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ብዝምልከት፣ ኣርባዕተ እዋን ቴክኒካዊ ርክባት ከካይዳ ዘገድድ’ዩ።

ኢትዮጵያ፣ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ ካብ ዝጀመረትሉ ኣብ 2011 ኣትሒዙ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ምስ ግብጺ ኣብ ምስሕሓብ’ያ ትርከብ።

እቲ ድጋ ኣብ ዝመጽእ ክልተ ዓመታት ምሉእ ብምሉእ ተዛዚሙ፣ ኣገልግሎት ጸዓት ምሃብ ክጅምር’ዩ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ድማ፣ ግብጺ፣ ብዛዕባ ዘዕቁሮ ብዝሒ ማይ፣ ንኽመልእ ዝወስደሉ ግዜን ዝኽተሎ ኣገባባትን ስግኣት ከምዝፈጠረላ ብወግዒ ኣፍሊጣ።

ግብጺ፣ ኣብ ካይሮ እባ ዝተኻየደ ኣኼባ ሰለስቲኤን ሃገራት ዘቕረበቶ እማመታት፣ ብኢትዮጵያ ድሕሪ ምንጻጉ፣ ወጥሪ ክልትኤን ሃገራት ንሂሩ’ዩ ጸኒሑ።

ግብጺ፣ ኣብቲ ጉዳይ ባንክ ዓለምን ኣመሪካን ክኣትዋ፣ ኣቐዲማ ከተቕርቦ ዝጸንሐት ጠለብ ኢትዮጵያ ነጺጋቶ’ያ።

እንተኾነ፣ ብምምሕዳር ትራምፕ ድሕሪ ዝቐረበ መጸዋዕታ፣ ኢትዮጵያ ብመንጎኝነት ኣመሪካን ባንክ ዓለም ዝተኻየደ ዘተ ክትሳተፍ ከምዝተገደደት ዲፕሎማሰኛታት የረድኡ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0