ኢትዮጵያ፣ ዘለዋ ውህሉል ዕዳ ልዕሊ 52 ቢልዮን ዶላር በጺሑ

Radio Erena: 18 August 2019

ኢትዮጵያ፣ 52.57 ቢልዮን ዶላር (1.5 ትሪልዮን ብር)፣ ውህሉል ዕዳ ከምዘለዋ ተገሊጹ።

ዘ ሪፖርተር፣ ካብ ሚኒስትሪ ፋይናንስን ገንዘብን እታ ሃገር ንዝረኸቦ ሰነድ ብምውካስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ እቲ 26.93 ቢልዮን ዶላር ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝተዋህለለ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ዝተረፈ 25.6 ቢልዮን ዶላር ድማ ካብ ናይ መንግስቲ ባንክታት ዝተወስደ ልቃሕ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ባንክታት ዝተለቅሖ ዕዳ ኣብ ግዜኡ ክመልሶ ብዘይምኽኣሉ፣ ዓመታዊ 25 ቢልዮን ብር ወለድ ይውሰኾ ከምዘሎ’ውን እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ይጠቅስ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ካብ ሃገራዊ ባንክ፣ ንግዳዊ ባንክን ባንክ ልምዓትን ዝተለቅሖ ገዚፍ ዕዳ፣ ነተን ባንክታት ዓቢ ስግኣት ኮይኑወን ከምዘሎ’ዩ ተገሊጹ።

ብፍላይ ንግዳዊ ባንክ ኢትዮጵያ ከቢድ ሓደጋ ኣንጸላልይዎ ከምዘሎ፣ እቲ ካብ ሚኒስትሪ ፋይናንስን ገንዘብን ኢትዮጵያ ዝቐረበ ሰነድ የመልክት።

ኢትዮጵያ፣ ካብ ወጻኢ ዘለዋ ውህሉል 26.93 ቢልዮን ዶላር ዕዳ፣ ካባየኖት ሃገራት ወይ ፊናንስያዊ ትካላት ምኻኑ ብዝርዝር ኣይቀረበን።

እንተኾነ፣ እቲ ዕዳ፣ ካብ ባንክ ዓለም፣ መንግስታት ቻይና፣ ኣመሪካን ኤውሮጳን ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

እቲ 15.73 ቢልዮን ዶላር፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብቀጥታ ዝተለቅሖ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ 11.17 ቢልዮን ዶላር ድማ፣ ከም ወሃብቲ ኣገልግሎታት ቴሌኮሚኒኬሽን፣ ኤሌክትሪክ፣ ጸዓትን መንገዲ ኣየርን ዝኣመሰላ ዝተፈላለያ ትካላት ልምዓት ኢትዮጵያ ንኽልቅሐሖ፣ መንግስቲ ብውሕስነት ዝኸተመሉ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0