ኢትዮጵያ፣ ዓመታዊ ዝቕባበ ቁጠባ 33.8% በጺሑ

Radio Erena: 19 January 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ዓመታዊ ዝቕባበ ቁጠባ 33.8% ከምዝበጽሐ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ፊይናንስ ሓቢሮም።

ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኵናት ተተሓሒዙ፣ ከንቆልቁል ዝጸንሐ ቁጠባ፣ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ናይዚ ዝተዛዘመ ዓመተ 2022፣ ናብ ልዕሊ 35% ዓሪጉ ምንባሩ ክፍሊ ስታቲስቲክ ኢትዮጵያ ገሊጹ።

እታ ዓመት ኣብ ምዝዛማ፣ ናብ 33.8% ምውራዱ ዘመልከተ እቲ ክፍሊ፣ ኣብ መጀመርያ ኣዋርሕ ናይዛ ሓዳሽ ዓመተ 2023፣ ብዙሕ ለውጥታት ከምዘይህሉ ኣሚቱ።

ብመሰረት ጸብጻብ መርበብ ሓበሬታ ስታቲስታ፣ ኢትዮጵያ ኣመዝጊባቶ ዘላ መጠን ዝቕባበ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት እቲ ዝበዝሐ ኣሃዝ’ዩ።

ክኢላታት ቁጠባ ብዝህብዎ ትንተና፣ ዝቕባበ ኢትዮጵያ፣ ካብ ክልተ ዲጂት ናብ ሓደ ዲጂት ክወርድ፣ ናይ ቁጠባ መቐይሮ ክፍጠር ወይ ድማ ብውሕዱ ንክልተ ዓመታት፣ እታ ሃገር ዕብየት ሓፈሻዊ እቶታት ከተመዝግብ ኣለዋ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ዘሎ ዝቕባበን ቅልውላው ቁጠባን፣ ዋጋታት መሰረታዊ ሃለኽቲ ነገራት፣ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ካብ ዝነበሮ፣ ብዕጽፊ ምንሃሩ ይግለጽ።

መጠን ሸርፊ ናይ ወጻኢ ባጤራ ብመንጽር ብር ድማ ናይ ልዕሊ 40% ወሰኸ ኣርእዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ሓደ ዶላር ኣመሪካ፣ ኣብ ባንክታት ኣስታት 55 ብር ክሽረፍ እንከሎ፣ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ልዕሊ70 ብር በጺሑ ኣሎ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0