ኢትዮጵያ፣ ኲናት ሓድሕድ ብሰላማዊ መንገዲ ዝፍትሓሉ ባብ እንዳጸበበ ይመጽእ፡ * ኣኼባ ባይቶ ጸ. ብዘይፍረ ተዛዚሙ

Radio Erena: 21 November 2021

ባይቶ ጸጥታ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ንምዕራፍን ዘተ ሰላም ክጅመርን ኣብ ዝብል ዛዕባ ንምዝታይ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ፣ ብዘይ ፍረ ተዛዚሙ።
15 ሃገራት ዝሓቖፈ ባይቶ ጸጥታ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ተወላዶ ትግራይ ኣተኲሩ ዝገብሮ ዘሎ ኣልማማ ግፋ ብዝምልከት እውን ኣብ ዝዘተየሉ፣ ቻይናን ሩሲያን ድሕሪ ዘቕረባኦ ተቓውሞ እዩ ብዘይፍረ ተዛዚሙ።
እቲ ቀዋሚ ወንበር ብዘይብላ ኣየርላንድ ዝቐረበ እማመ፣ ‘ብታህዋኽ ዝተዳለወ ስለዝኾነ እኹል መጽናዕቲ ኣይተገብሮን’ ዝብል ሓደ ካብቲ ዝቐረበ ተቓውሞ እዩ።
ብመሰረት ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ዝሃቦ ዜና፣ ሰብኣዊ ረዲኤት ብዘይዕንቅፋት ክባጻሕ፣ ኩሉ ዓይነት ተጻብኦታት ደው ክብል ከምኡ’ውን ሃገራዊ ዕርቂ ክካየድ፣ ገለ ካብቲ ብኣየርላንድ ዝቐረበ እማመ’ዩ።
ኣብ ልዕሊ ተወላዶ ትግራይ ዒላማ ዝገበረ ኣልማማ ግፋን፣ ንጽልእን ናዕብን ዝዕድም ጎስጓሳትን ደው ክብል ዝጠልብ እውን ኣብቲ እማመ ይርከብ።
ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ክቆጻጸሩ መጥቃዕቲ ክኸፍቱ’ዮም ካብ ዝብል ስግኣት፣ ሓያሎ ሃገራት ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ዜጋታተን ክወጹ ተኸታታሊ መጠንቀቕታ ከመሓላልፋ ቀንየን እየን።
መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን በብወገኖም ክንዕወት ኢና ካብ ዝብል ህልኽ ንዘተ ሰላም ቅሩባት ኣይኮኑን ጸኒሖም ዝብሉ ዲፕሎማሰኛታት፣ እቲ ደማዊ ኲናት ብሰላም ዝዓርፈሉ ዕድል እንዳጸበበ ይመጽእ ኣሎ ክብሉ ይገልጹዎ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0