ኢትዮጵያ፣ ክልል ሲዳማ ንምቛም ኣብ ዝጸውዐ ናዕቢ ህይወት 10ታት ሰባት ጠፊኡ

Radio Erena: 22 July 2019

ኣብ ኢትይጵያ፣ ክልል ሲዳማ ንምቛም ኣብ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ደቡብ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ናዕቢ ህይወት 10ታት ሰባት ከምዝጠፍአን፣ ዛጊት ግምቱ ዘይተሓበረ ንብረት ከምዝዓነወን ዝተፈላለየ ምንጭታት ዜና ካብታ ሃገር ሓቢረን።

ብመሰረት ማዕከናት ዜና ዘቕርብኦ ዘለዋ ሓበሬታ፣ ካብ ሓሙስ 18 ሓምለ ኣትሒዙ፣ ኣብ ዝተኻየደ ናዕቢ፣ ብፍላይ ኣብ ከተማ ሃዋሳ፣ ብሄርን ዘተኮረ መጥቓዕትን ምዝራፍን ምዕናውን ንብረትን ተፈጺሙ ኣሎ።

እዚ ናዕቢ ዝካየድ ዘሎ፣ ሃገራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ፣ ንሕቶ ምቛም ክልል ሲዳማ ብዝምልከት ኣብ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ረፈረንዱም ክካየድ ምዃኑ ዝእንፍት መግለጺ ድሕሪ ምሃቡ’ዩ።

ምስቲ ናዕቢ ብዝተሓሓዝ ሓያሎ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ውዒሎም ከምዘለው ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብቲ ዞባ ተጓሃሃሩ ዘሎ ሓድሽ ጎንጺ ክቆጻጸርዎ ከምዘይክኣሉ ነበርቲ እቲ ከባቢ ንማዕኸናት ዜና የመልክቱ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ መንጎ ብሄራት ኦሮሞ፣ ኣምሓራ፣ ትግራይን ሶማልን ዝተወልዐ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ናብተን ካልኦት ብሄራት’ውን ተላቢዑ ነታ ሃገር ናብ ምሉእ ውድቀትን ምብትታንን ከየምርሓ ሓያሎ ወገናት ስግኣቶ ይግጹ።

ብዘይካ ሲዳማ፣ ካልኦት ብሄራት ኢትዮጵያ’ውን ናይ ገዛእ ርእሶም ክልላት ከቑሙ ሕቶ ኣብ ምቕራብ’ዮም ዝርከቡ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0