ኢትዮጵያ፣ ኩሉም ሓይልታት ቅድሚ ኵናት ትግራይ ምጅማሩ ናብ ዝነበረ ከባቢታት ክስሕቡ ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ኣመሪካ ጸዊዓ

Radio Erena: 04 August 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ምብጻሕ ዘካየደት ላዕለወይቲ በዓልቲ ስልጣን ኣመሪካ፣ ኣብ ኵናት ትግራይ ዝሳተፉ ዘለዉ ኩሎም ሓይልታት ናብቲ ቅድሚ ኵናት ዝጀመረሉ ከባቢታት ክስሕቡ ጸዊዓ።

ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካየደት፣ ወኪል ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኣህጉራዊ ልምዓት USAID፣ ሳማንታ ፓወር፣ ብትዊተር ኣብ ዝዘርግሓቶ መግለጺ፣ ሓይልታት ትግራይ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ክወጹ፣ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ድማ ካብ ምዕራብ ትግራይ ክስሕብ ኣተሓሳሲባ።

ንሳ ብዘይካ’ዚ፣ መንግስቲ ኤርትራ፣ ሓይልታቱ ካብ ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ከውጽእ’ውን ሓቲታ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ክነጥፋ ዝጸንሓ ክልተ ትካላት ግብረ ሰናይ ምእጋዱ ተገሊጹ።

እተን ተኣጊደን ዘለዋ ትካላት፣ ሓካይም ብዘይዶብን ነርዌጃዊ ቤት ምኽሪ ስደተኛታትን ዝተባህለ ኮይነን፣ ኣብ ትግራይ፣ ህጹጽ ሓገዝ ንዘድልዮም 10ታት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ምርዳእ ክነጥፋ ዝጸንሓ’የን።

እቲ መንግስቲ፣ ኣህጉራውያን ትካላት ግብረ ሰናይ፣ ምስ ሓይልታት ትግራይ ብምሽራኽ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውዲታት ይሰርሓ ከምዝለዋ ክውቐስ ጸኒሑ’ዩ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0