ኢትዮጵያ፣ ኣጋጢሙ ንዘሎ ናህሪ ዋጋታት ንምርግጋእ፣ ኣእካልን መሰረታዊ መግብታትን ብዘይቀረጽ ክኣቱ ፈቒዳ

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ምውላዕ ኵናት ትግራይ ተተሓሒዙ ተኸሲቱ ዘሎ ከቢድ ቁጠባዊ ቅልውላውን ናህሪ ዋጋታትን ንምርግጋእ፣ መንግስቲ ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝሽመት ኣእካልን መሰረታዊ መግብታትን፣ ናይ ቀረጽ ምትዕርራይ ከምዝገብር ሚኒስትሪ ገንዘብ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ዘ ሪፖርተር ንሚኒስተር ዴ ‘ታ እዮብ ተካልኝ ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ሓበሬታ፣ ከም ስርናይ፣ ዘይቲ፣ ሽኮርን ሩዝን ዝኣመሰለ፣ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝሽመት መሰረታዊ መግብታት፣ ካብ ቀረጽ ናጻ ክኸውን’ዩ።

ከም ፓስታን እንቋቁሖ ዝኣመሰሉ መግብታት ድማ፣ ኣብ ግብሪ ምምሕያሽ ክግበረሎም’ዩ።

ናህሪ ዋጋታት፣ ግብሪ ብምቕናስ ጥራይ ክፍታሕ ኣይክእልን’ዩ ዝበለ እቲ ሚኒስተር፣ እኹል ቀረብ ንምምላእ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ 52 ሚልዮን ሊትሮ ዘይቲ ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ ወጢኑ ኣሎ ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ፣ ኣብ ገንዘብን ካልእ ምስ ገንዘብ ዝተተሓሓዘ ፖሊሲታትን ምትዕርራያት ክገብር ትጽቢት ይግበር።

እዚ ካብ ዝመጽእ ሓድሽ ዓመት ኢትዮጵያ፣ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ዝግበረሉ ምትዕርራይ ናይ ገንዘብ ፖሊሲን ምቕናስ ቀረጽ ካብ ወጻኢ ዝሽመት መግብታትን፣ ነታ ሃገር ጥሒላቶ ካብ ዘላ ቁጠባዊ ምንቁልቋል ይኹን ዝቕባበ ባጤራ ክከላኸለላ ከምዘይክእል ተንተንቲ ይእምቱ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0