ኢትዮጵያ ኣገልግሎታት ናይ ኢንተርነት ሞባይል ትዓጹ

ኢትዮጵያ ኣገልግሎታት ናይ ኢንተርነት ሞባይል ትዓጹ

Radio Erena: 01 June 2017

Ethio Internet cafe

ኢህወደግ ኣብ ስልጣን ዝመጸሉ መበል 26 ዓመት ኣብ ዝጽንብለሉ ዘሎ እዋን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኣገልግሎታት ናይ ኢንተርነት ሞባይል ከምዝዓጸዎ ተገሊጹ።

እቲ መንግስቲ ነዚ ንሳልስቲ ዓጽይዎ ዘሎ ኣገልግሎታት ናይ ኢንተርነት ሞባይል፣ ዝኾነ ምኽንያት እኳ እንተዘይሃበሉ፣ ብኣጋጣሚ መበል 26 ዓመት ምውዳቕ ስርዓት ደረግ፣ ኣብ ሃገር ሰፊሕ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከየካይድ ካብ ምስጋእ ምዃኑ ተቕወምቲ ወገናት እታ ሃገር ይሕብሩ።

ካልኦት ወገናት ከኣ፣ እቲ መንግስቲ ንኣገልግሎታት ኢንተርነት ዝዓጸወሉ ምኽንያት፣ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ስርቂን ምጥፍፋእን ናይ ፈተና ወረቓቕቲ ንኸይፍጸም ቅድመ ጥንቓቐ ንምክያድ’ዩ ይብሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ ኣብ ሃገር ናይ ፈተና ወረቓቕቲ ኣቐዲሙ ተሰሪዑ፣ ብመንገዲ ኢንተርነት ከምዝተዘርግሐ ኣይርሳዕን።

ኣቐዲሙ’ውን ኣብ ስክይፕ፣ ፌስቡክ፣ ትዊተር፣ ቫይበር፣ ዋስኣብን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ማሕበራዊ ሜድያታትን ናይ ኢንተርነት ሞባይልን ምቁጽጻር ክገብረሉ ከምዝጸንሐ ዘመልከቱ ተጣበቕቲ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፣ እዚ ሎሚ ተወሲዱ ዘሎ ብተኸታታሊ ናይ ኢንተርነት ሞባይል ናይ ምዕጻው ስጉምቲ ግና ኣዝዩ ከምዘተሓሳሰቦም ኣገንዚቦም።

ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ጋዜጠኛታት ብዘይ ዶብ፣ ነዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብደረጃ ሃገር ወሲድዎ ዘሎ ንሳልስቲ ዝቐጸለ ምዕጻው ናይ ኢንተርነት ሞባይል፣ ሓደኛ ስጉምቲ ንናጽነት ሓበሬታ ክብል ጠቒስዎ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0