ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ ልዕሊ 100 ሰባት ተኣሲሮም

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ ልዕሊ 100 ሰባት ተኣሲሮም

Radio Erena: 22 August 2018

Qeerro

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኦሮሞ፣ ብስም ምንቕስቓስ መንእሰያት ቄሮ፣ ቅትለት፣ ዝምታን ካልእ ናዕብታትን ኣብ ጸጸኒሑ ኣብ ዝጎሃሃረሉ ዘሎ እዋን፣ ሓይልታት ጸጥታ ልዕሊ 100 ሰባት ከምዝኣሰሩ ክፍሊ ሓበሬታ ክልል ኦሮምያ ሓቢሩ።

እቶም ኣብ ሱሉልታ፣ ሻሽመኔ፣ ቡራዮ ጅማ፣ ኣዳማ፣ ሞጆን ካልእ ከባቢታትን ክልል ኦሮሞ ተኣሲሮም ዘለው ሰባት፣ ነዚ ኣብቲ ክልል ኣጋጢሙ ዘሎ ጸጥታዊ ሃጓፍ ብምጥቃቅ፣ ብስም ምንቕስቓስ መንእሰያት ኦሮሞ ቄሮ እናተጠቕሙ’ዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ክፍጽሙ ዝጸንሑ ምዃኖም’ዩ ክፍሊ ዝገልጽ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ሓያሎ ክልላት ዝተበገሰ ናይ ለውጢ ምንቕስቓስ ናብ ፋሉልነት ገጹ ኣምሪሑ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ንብረትን ከቢድ ዕንወት የውርድ ምህላዉ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ዘይሕጋዊ ጠበናጁ ኣብ ምቁጽጻርን ነቲ ኩነታት ተጠቒሞም ዘይሕጋዊ ተግባራት ኣብ ልዕሊ ዝፍጽሙ ሰባት ናይ ምእሳርን ስጉምታት ይወስድ እኳ እንተሎ፣ ጸጥታ ሓያሎ ከባቢታት ክልል ኦሮሞን ሶማልን ከውሕስ ከምዘይክኣለ ንነበርቲ ዝተፈላለየ ከባቢታት ብምጥቃስ ምንጭታት ዜና ይሕብሩ።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0