ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት ብሰለማዊ ዘተ ንምፍታሕ ትጽዕር ከምዘላ ኣፍሊጣ

Radio Erena: Thursday, 17 August 2023

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ተፈጢሩ ዘሎ ግጭት፣ ብሰለማዊ ዘተ ንምፍታሕ ጻዕርታት የካይድ ከምዘሎ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን እታ ሃገር፣ ኣቶ ደመቀ መኮነን ገሊጹ።

ንሱ፣ ነዚ ዝገለጸ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያ ብዝምልከት፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝመደበሮም ኣምባሳደራት ወጻኢ ሃገራት፣ ብ15 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ’ዩ።

እንተኾነ፣ ብዛዕባ’ቲ መንግስቲ የካይዶ ኣሎ ዝበሎ ናይ ዘተ ሰላም ጻዕርታት ብንጹር ኣይገለጸን።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ዝተረኽበ፣ ሚኒስተር ፍትሒ፣ ኣቶ ጊዶዎን ጢሜቲዎስ ብወገኑ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ሕጊ ናይ ምኽባር ወፍሪ፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ክወርድ ንዝኽእል ጉድኣት ንምውጋድ፣ ናይ ህጹጽ እዋን ከምዝኣወጀ ኣረዲኡ።

ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ነቶም ናይ ወጻኢ ኣምባሳደራት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ዝተፈጸመ ናይ ነፈርቲ መጥቃዕቲን ኣብ ሰለማዊ ህዝቢ ዘውረዶ ጉድኣትን ኣይጠቐሱን።

ነፈርቲ ውግእ ኢትዮጵያ፣ ብ13 ነሓሰ፣ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም፣ ከተማ ፍኖተ ሰላም፣ ኣብ ዘካየድኦ ደብዳብ ናይ ዝተቐትሉ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 30 ‘ዩ በጺሑ።

ፈኵሲን ከቢድን መቝሰልቲ ዝበጽሖም ኣስታት 50 ሰባት ድማ ኣብ ኣብያተ ሕክምና ይእለዩ ኣለዉ ምህላዎም ዝተፈላለያ መርበባት ዜና ገሊጸን።

ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ሚሊሻታት ዕጡቓት ፋኖን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወልዐ ግጭት፣ ኣብ ዝበዝሓ ዓበይቲ ከተማታት ከምዝሃደ እኳ እንተተገልጸ፣ ኣብ ካልእ ከቢታት ግና ጸጸኒሑ ቶዅሲ ይስማዕ ምህላዉ እተን መርበባት ይሕብራ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0