ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ኣማሓዳሪ ከባቢን ሓለፊ ጸጥታን ተቐቲሎም

Radio Erena: 04 June 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ኣማሓራ፣ ሓደ ኣማሓዳሪን ሓላፊ ጸጥታን ናይ ሓደ ከባቢ፣ መንነቶም ብዘይተፍልጡ ዕጡቓት ከምዝተቐትሉ ምንጭታት ዜና ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢረን።

እቶም ኣብ ሰሜን ወሎ ናይ እትርከብ ራያ ቖቦ ናይ ዝተባህለት ከባቢ ኣማሓዳርን ሓላፊ ጸጥታን ዝኾኑ ክልተ ሰበ ስልጣን፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ብጉዳይ ስራሕ እናተንቀሳቐሱ እንከለዉ፣ ቁጽሪ ሰሌዳ ዘይብላ ባጃጅ ወይ ላምብሬታ ብዝዓነታ መኪና ክከታተልዎም ዝጸንሑ ዕጡቓት ከቲሮም ከምዝቐተልዎም ዘ ሪፖርተር ንኣማሓዳሪ ዞባ ብምጥቃስ ኣብ ጸብጻብ ኣስፊራ።

ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ዜና፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ፣ ምዕራብ ወለጋ፣ ብስራሕ ዝንቀሳቐሱ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ብውሕዱ 10 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብዝተኸፍተ ቶዅሲ፣ ኣርባዕተ ክሞቱ እንከለዉ፣ ሰለስተ ድማ ከምዝቖሰሉ እቲ ምንጪ ኣፍሊጡ።

ንናጽነት እቲ ክልል ዝቃለስ ፣ ብ “ሼኔ” ዝፍለጥ፣ ዕጡቕ ሓይሊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸሞ ካብ ወገን መንግስቲ ይስማዕ እኳ እንተሎ፣ ብናጻ ኣካል ኣይተረጋገጸን።

ኢትዮጵያ፣ ፖለቲካዊ ለውጥታት ንምትእትታው ኣብ ዝኸደቶ ናይ ኣስታት ክልተ ዓመታት ጉዕዞ፣ ንኩሉ ክልላት ብርግኣትን ጸጥታን ከመሓድር ዝኽእል ማእከላይ መንግስቲ ከተቕውም ከምዘይክኣለት’ዮም ዝተፈላለዩ ፖለቲከኛታት ክልል ኦሮሞ ዝትንትኑ።

ኣብ ሓያሎ ክልላት ኢትዮጵያ፣ ጸጸኒሑ ዝነቱግ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታትን ምቕታል ሓላፍቲ መንግስቲን ድማ ከም ኣብነት የቕርቡ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0