ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፡ ብደብዳብ ድሮን 10ታት ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: Thursday, 14 December 2023

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ፣ ዞባ ደቡባዊ ወሎ ኣብ ዘካየዶ ደብዳብ 10ታት ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ ኣሎ።

እቲ መሳለምያን ቀይ ዋሻን ኣብ ዝተባህለ ከባቢታት ዝተፈጸመ ናይ ድሮን ደብዳብ፣ ንሚሊሻታት ኣምሓራ ወይ ፋኖ ንምጥቃዕ ዒላማ ዝገበረ ምንባሩ’ዩ ተመልኪቱ።

እንተኾነ፣ መብዛሕቶም ግዳይት ናይቲ ኣብ ቀዳመ-ሰንበት ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሰላማውያን ሰባት ምዃኖም መርበባት ዜና ኢትዮጵያ ወቒሰን።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ካብ ቦት ኣናብ ቦታ እናተሰጋገረ እባ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ዕጡቓት ብረቶም ብምውራድ ናብ ሰለማዊ መነባብርኦም ክምለሱ፣ መንግስቲ ናይቲ ክልል ናይ ሸውዓተ መዓልታት ናይ ሰላም ጻውዒት ኣቕሪቡ ኣሎ።

ኣብቲ ክልል ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ሚሊሻታት ፋኖን ብዝካየድ ዘሎ ግጭት፣ ኣስሓት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ይርከቡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞያ’ውን፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስቲን ኦነግ ሸኔን ምስ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ተተሓሒዙ፣ ሓያሎ ስለበ ስልጣንን ኣምሓደርቲን ተኣሲሮም።

ዕጡቓት ኦነግ፣  ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ኣብ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ዘካየድ ስርሒት፣ ንእሱራት ሓራ ከምዝወጹ ድሕሪ ምግባሮም፣ መንግስቲ ናይቲ ክልል ንሓያሎ ኣመደርቲ ከባቢታት ናይቲ ዞባ ከምዝኣሰረ ‘ዩ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ሚኒስተር ሰላም ንዝነበረ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን’ውን ምስ ዕጡቓት ኦነግ ምትእስሳር ጸኒሕዎ ብዝብል ከምዝኣሰሮ ይፍለጥ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0