ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል-ጉምዝ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 15 ሰባት ተቐቲሎም

Radio Erena: 29 September 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ቤንሻንጉል-ጉምዝ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ብውሕዱ 15 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ።

ናይቲ ኣብ መተከል፣ ከባቢ ናጉር፣ ኣብ እትርከብ ሓውሲ ከተማ ማንቡክ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ሓላፍነት ዝወሰደሉ ኣካል የለን።

ሓይልታት ጸጥታ ኢትዮጵያ፣ ነቲ መጥቃዕቲ ንዝፈጸሙ ዕጡቓት ኣብ ምህዳን ተዋፊሮም ከምዘለዎ ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ንኣካላት መንግስቲ ብምጥቃስ ገሊጻ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣጋጢሙ ብዘሎ ጸጥታዊ ሃጓፍ፣ ኣብ ሓያሎ ክልላት ናዕቢ፣ ጎነጽ፣ ግጭታትን ክውላዕ ንቡር ተርእዮ’ዩ ኮይኑ ዘሎ።

ይኹን’ምበር፣ መንግስቲ፣ ንገሊጽኡ እቲ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት እታ ሃገር ዝካየድ ግጭታት ክሓብኦ ይፍትን ምህላዉ ዝተፈላለቱ ወገናት እታ ሃገር የቓልዑ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0