ኢትዮጵያ፣ ኣብ ከተማታት ደሴን ወልድያን፣ ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ

Radio Erena: 30 August 2022

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ሰራዊት መንግስትን ሓይልታት ትግራይን ኲናት ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ከተማታት ደሴን ወልድያን፣ ሰዓታት እቶ እቶ ተኣዊጁ።

እቲ ካብ ሰንበት 28 ነሓሰ ጀሚሩ ግብራዊ ከምዝኸውን ዝተኣወጀ ሰዓታት እቶ እቶ፣ ካብ ምሸት ሰዓት 7 ክሳብ ንግሆ ሰዓት 6፣ ዝኾነ ምንቅስቓስ ከይካየድ ዝቕስብ እዩ።

ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ብዝህቦኦ ዘለዋ ሓበሬታ መሰረት፣ ምምሕዳር ከተማ ወልድያ ብወገኑ፣ ብኣባላት ጸጥታ ዝተዋህበ ናይ መንቃሳቐሲ ፍቓድ ዘለዎ እንተዘይኮኑ፣ ካብ ሰዓት 7 ምሸት ንደሓር፣ ናይ መካይንን ሰብን ምንቅስቓስ ኣጊዱ ኣሎ።

ብተመሳሳሊ ምምሕዳር ከተማ ደሴ እውን፣ ኣብ ክለባት ትልሂት፣ ኮነ ቤት መግብታትን መዘናግዒ ቦታታትን፣ ምእካብ ሰብ ከልኪሉ ኣሎ።

ከተማታት ደሴን ወልድያን፣ ካብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ካብ ኲናት ሃዲሙ ክዕቆብ ዝተመዛበለ ህዝቢ ኣዕለቕሊቐን ምህላወን ካብታ ሃገር ዝፍኖ ዘሎ ሓበሬታ የመልክት።

ምምሕዳራት’ዘን ክልተ ከተማታት፣ እቲ ዝተመዛበለ ህዝቢ፣ ምስ ኣባላት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትሕብባር ከርእይን፣ ኣጋይሽ ዝመጹወን ስድራቤታት ከኣ ኣብ ምምሕዳር ከይደን ከመዝግባኦም፣ ጸዊዐን ኣለዋ።

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዳግማይ ዝጀመረ ኲናት፣ ናብቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝነበሮ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን ክልሕም ከምዝኽእል ትንታነታት ይወሃቦ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0