ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትግራይ ካብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ናይ ዝሃደሙ ሰባት ብዝሒ ልዕሊ 25 ሽሕ በጺሑ

Radio Erena: 15 November 2020

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ትግራይ ካብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ናይ ዝሃደሙ ብዝሒ ሰባት ልዕሊ 25 ሽሕ ከምዝበጽሐ መንግስቲ ሱዳን ኣፍሊጡ።

እቶም ካብ መነባብርኦም ዝተፈናቐሉ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብኦም ኣሽሓት ኢትይጵያውያን፣ ህጹጽ ሓገዛትን መጽለሊን ንክረኽቡ፣ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምስ ሰበ ስልጣን ገዳርፍ ኣብ ምዝርራብ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ኵናት ገና ይቕጽል ብምህላዉ፣ መዓልታዊ ኣብ ሓምዳይት ኣብ ዝርከብ ማእከል መመዝገቢ ሓተቲ ዑቕባ፣ መዓልታዊ ኣማኢት ኢትዮጵያን ይመጽእዎ ምህላዉ ገሊጹ።

ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ዝፈጠሮ ጽልዋታት ቁጠባን ወራር ዕስለ ኣንበጣን፣ ኣቐዲሙ’ውን ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝጸንሖ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ሓድሽ ኵናት ተወሊዕዎ፣ ተወሰኽቲ ሚልዮናት ሰባት ካብ መነባብርኦም ከመዛብል ምዃኑ ተገሚቱ ኣሎ።

ካብ 2018 ኣትሒዙ፣ ብሰንኪ ዝካየድ ዘሎ ናይ ብሄር ግጭታት፣ ሚልዮናት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ዝርከቡላ ኢትዮጵያ፣ እታ ዝያዳ በዚ ኵናት ክትህሰ እትኽእል ሃገር ምዃና ይግለጽ እኳ እንተሎ፣ ኣብ ኤርትራ’ውን ተወሳኺ ከቢድ በሰላታት ክሓድግ ምዃኑ ንምግማቱ ኣየጸግምን።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኢትዮጵያ፣ ንከቢድ ጸጥታዊ ሓደጋ ተቓሊዓትሉ ኣብ ዘላ እዋን፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ 10ታት ሰባት ከምዝተቐትሉ ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ኦሮሞ ምዕራብ ወለጋ’ውን፣ ንናጽነት ኦሮሞ ዝቓለሱ ሓይልታት ተደጋጋሚ መጥቓዕታት የካይዱ ምህላው ተፈሊጡ ኣሎ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0