ኢትዮጵያ፣ ኣብ ምብራቅዊ ክልል ኣምሓራ ዕስለ ኣምበጣ ከምዝወረረ ተሓቢሩ

Radio Erena: 30 August 2019

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ምብራቓዊ ክልል ኣምሓራ፣ ወራር ዕስለ ኣምበጣ ከምዝተራእየ ማዕከናት ዜና መንግስቲ ሓቢረን።

ወራር ፈጺሙ ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ፣ እንቋቁሖኡ ከይሓድግን ናብ ካልእ ከባቢታት ከየስፋሕፍሕን፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ምስ ጎረባብቲ ክልላት ዓፈራን ኦሮሞን ብምትሕብባር ክሰርሕ ጻውዒት ቀሪቡ።

ኣብ እዋን ክራማት ዝጸፈየ እንቋቆሖ፣ ኣብዚ ዝመጽእ ሰለስተ ኣዋርሕ፣ ኤርትር ኣብ እትርከበን ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ከጋጥም ከምዝኽእል ውድብ መግብን ሕርሻን ከጠንቅቕ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ ኣህጉራዊ ትካል ኣብ ዝዘርግሖ መጠንቀቕታ፣ ምስፍሕፋሕ ዕስለ ኣንበጣ ክርኣየለን ይእኽእል’ዩ ኢሉ ዝጠቐሰን ሃገራት፣- ኤርትራ፣ የመን፣ ሱዳን፣ ገለ ክፋላት ኢትዮጵያን ሶማልያን’የን።

መጥቃዕቲ ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብ ሕርሻ እዘን ሃገራት ከቢድ ዕንወት ከምጽእ ስለዝኽእል፣ እዘን ሃገራት ምስ ውድብ መግብን ሕርሻን ብምትሕብባር ንምምካቱ ቅድመ ምድላዋት ክገብራ’ውን ጸዊዑ።

ኣስታት 10 ሚልዮን ብዝሒ ዘለዎ ዕስለ ኣንበጣ፣ ብንፋስ እናተሓገዘ ክሳብ 150 ኪሎሜተር ብምጓዓዝ ከጥዕቅዕ ይኽእል።

ሓንቲ ኣነስተይቲ ኣንበጣ፣ ኣስታት 300 እንቋቁሖ ከምእተጫጭሕ ዘመልከቱ ክኢላታት፣ ሓደ ኣንበጣ፣ መዓልታዊ ክንዲ ግዝፉ ክበልዕ ይኽእል።

10 ሚልዮን ብዝሒ ዘለዎ ዕስለ ኣንበጣ ድማ ሕርሻ ሃገር ከብርስ ዝኽእል ዕቱብ ምቁጽጻርን ምንጻግ መድሃኒታትን ክካየደሉ ከምዘድሊ እቶም ክኢላታት የረድኡ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0