ኢትዮጵያ፣ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ካዪድኩም ዝተባህሉ 5 ጥርጡራት፣ ወግዓዊ ክሲ ቀሪቡሎም

ኢትዮጵያ፣ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ካዪድኩም ዝተባህሉ 5 ጥርጡራት፣ ወግዓዊ ክሲ ቀሪቡሎም

Radio Erena: 30 September 2018

 meskel adebabayንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ኣብ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ቦምባ መጥቃዕቲ ኣካዪድኩም ዝተበሃሉ ሓሙሽተ ጥርጡራት፣ ወግዓዊ ክሲ ቀሪቡሎም።

ኣብቲ ብዕለት 28 መስከረም ዝወዓለ መጋባእያ፣ እቲ መጥቃዕቲ ቦምባ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ንምቕታል ዝተሃንደሰ’ዩ ኔሩ ክብል ኣኽባር ሕጊ ብዝርዝር ገሊጹ።

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ንህዝቢ ኦሮሞ ከም መሳርሒ ተጠቒሙ፣ ውልቃዊ ስልጣኑ ንምስፍሕፋሕ ጥራይ’ዩ ዕላምኡ እምበር ሓልዮት ህዝቢ ከምዘይብሉን ንኦሮሞ ከምዘይውክልን ብምእማን ነቲ መጥቃዕቲ ክህንድስዎ ከምዝኸኣሉ’ዩ ኣብቲ መጋባእያ ተገሊጹ።

እቲ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ዘሎ ክሲ፣ ብቅትለት ክልተ ሰባት፣ ናይ ፈኲስን ከቢድን መጉዳእቲ ኣብ ልዕሊ 150 ሰባት፣ ከምኡ’ውን ብፈተነ ቅትለት ቀዳማይ ሚኒስተር ዝርከቦም ክስታት ተመስሪቱሎም ኣሎ።

እቲ ብናይ ኣመሪካ ፍሉያት ናይ ገበን መርመራ ክኢላታት ተሰንዩ ዝተኻየደ ደቂቕ መጽናዕቲ፣ ኣርባዕተ ካብቶም ክሱሳት ብምውዳብን ምትግባርን ገበን ክሕተቱ እንከለዉ፣ እቲ ሓምሻዮም ውልቀሰብ፣ ብምትሕብባር ምስ ግብረሽበራውያን እዩ ተኸሲሱ ዘሎ።

ቀንዲ ሃንዳሲት ናይቲ መጥቃዕቲ ቦምባ፣ ኣብ ኬንያ ዝምቕማጣ ገነት ታምሩ ዝተባህለት ውልቀሰብ’ያ ክብል ኣኽባር ሕጊ ይገልጽ።

ኣብዚ ሰለስተ ወርሒ ዘቑጸረ መጽናዕቲ ዝተገብረሉ ክሲ፣ ኣብቲ መጥቃዕቲ ቦምባ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኢድ ኔርኩም ተባሂሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝጸንሑን ብዋሕስ ዝተፈትሑን፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን ፖሊስን ሓለፍቲ ጸጥታ ፈደራላዊ ቤት ጽሕፈትን ዝርከብዎም ናይ ሓያሎ ክሱሳት ጉዳይ ገና ኣብ መስርሕ ከምዘሎ’ዩ ዝግለጽ።

======================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0