ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ሓደ ዓመት ጥራይ፣ መጠን ናይ ወጻኢ ሸርፊ ብኣስታት 30% ኣንቆልቝሉ

Radio Erena: 21 January 2021

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብዚ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ዝተራእየ ዘይርጉእ ጸጥታን ተደጋጋሚ ግጭታትን፣ ቁጠባ እታ ሃገር ካብቲ ዝተገመቶ ንታሕቲ ይኸይድ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

እዚ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ጸጥታ ምፍራስን፣ ምስዚ ሕጂ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ኵናትን ተደሚሩ፣ ናይ ወጻኢ ወፍሪ’ውን የህድም ምስ ምህላዉ፣ ኢትዮጵያ ንዝቕጽል ዓመታት ናይ ወጻኢ ባጤራ ንምርካብ ክትጽገም ምዃና ክኢላታት ቁጠባ የትንብሁ።

መጠን ሸርፊ ብር፣ ምስ ናይ ወጻኢ ባጤራ ብፍላይ ድማ ዶላርን ኤውሮን ክርአ እንከሎ፣ ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ፣ እናደኸመ ይእመጽእ ምህላዉ ድማ ሓደ ኣብነት ናይዚ ምዃኑ እቶም ክኢላታት የረድኡ።

ቅድሚ 10 ዓመታት፣ ኣብ ባንክ፣ ሓደ ዶላር 17 ብር ዝሽረፍ ዝነበረ ኣብዚ እዋን’ዚ 40 ብር በጺሑ ኣሎ።

ኣብ ጸሊም ዕዳጋ፣ ከም መጠን ብዝሒ ናይቲ ዝቐርብ ገንዘብ ዝፈላለ እኳ እንተኾነ፣ ንሓደ ዶላር ልዕሊ 50 ብር ዝሽረፈሉ ግዝያት ከምዘሎ’ውን ይግለጽ’ዩ።

ጋዜጣ ዘ ሪፖርተር ኣብ ዝቕረበቶ ዓንቀጽ፣ መጠን ሸርፊ ብር ብመንጽር ናይ ወጻኢ ባጤራ፣ ኣብዚ 10 ዓመታት ብ130%’ዩ ኣንቆልቊሉ።

ብመሰረት እታ ጋዜጣ፣ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት መጠን ሸርፊ ክነጻጸር እንከሎ፣ ሓደ ብር ምስ ዩሮ ናይ 34% ምስ ዶላር ድማ ናይ 24% ምንቁልቛል ኣርእዩ።

እዚ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዝርአ ዘሎ ምንቁልቋል መጠን ሸርፊ፣ ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ ብር ስለዘዳኸሞ፣ እታ ሃገር ናብ ገዚፍ ዝቕባበ ክትሽመም ተኽእሎ’ሎ።

ምንቁልቋል መጠን ሸርፍን ገዚፍ ዝቕባበን፣ ምምዝባል ዕዳጋ ስለዝፈጥር፣ ናይ ምሽማት ዓቕሚ ዝሓጽሮ ህዝቢ ናብ ተወሳኺ ስእነትን ድኽነትን ክወድቕ ምዃኑ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ትንታነታት የጠንቅቕ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0