”ኢትዮጵያ፣ ንዶባዊ ወጥሪ ብዝምልከት ዝሃበቶ መግለጺ መስመሩ ዝሰሓተ’ዩ” ሚ.ጉ.ወ. ሱዳን

Radio Erena: 21 February 2021

ኢትዮጵያ፣ ንዶባዊ ወጥሪ ብዝምልከት ዝሃበቶ መግለጺ መስመሩ ዝሰሓተ’ዩ ክትብል ሱዳን ገሊጻ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን ብቀዳም 20 ለካቲት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ‘ሱዳን ንሳልሳይ ኣካል መሳርሒ ትኸውን ኣላ’ ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኣዝዩ ዘጉህይ እዩ ኢሉዎ።
እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ተላዒሉ ዘሎ ዶባዊ ግጭት፣ ሱዳን ብሳልሳይ ኣካል ተደፋፊኣ ተካዪዶ ኣላ ክትብል፣ ኢትዮጵያ ብረቡዕ 17 ለካቲት ገሊጻ’ያ።
እንተኾነ ብወገን ካርቱም ዝወሃብ ዘሎ ምላሽ፣ ‘ሱዳን ናይ ዝኾነ ሳልሳይ ኣካል መሳርሒ ከምዘይኮነት፣ ብኣንጻሩ ከኣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዶብ ጥሒሱ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ናይ ኣየነይቲ ሃገር ሰራዊት ሒዙ ከምዝመጸ ኩላትና ንፈልጦ ጉዳይ’ዩ’ ዝብል ከምዝኾነ ወግዓዊ ልሳን መንግስቲ ሱዳን ጸብጺቡ።
እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ፣ ንታሪኻዊ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት ዘነኣእስ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ዘጎሃህር’ዩ፣ ክብል’ዩ መንግስቲ ሱዳን ምላሽ ዝህበሉ ዘሎ።
ኣብ ሱዳን 5 ሽሕ ዝቑጽሩ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ኣብቲ ምስ ደቡብ ሱዳን ዘዳውብ ዞባታት ተዋፊሩ ምህላዉ ዘዘኻኸረ መንግስቲ ሱዳን፣ ወተሃደራዊ ወጥሪ ሰፊኑ እንከሎ እውን፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መሬቱ ከአንግድ እምነት ስለዝነበሮ ከምዝኾነ እቲ መግለጺ ብተወሳኺ ኣዘኻኺሩ።
ካብ ዕለት ናብ ዕለት እንዳተጎሃሃረ ዝመጽእ ዘሎ ወተሃደራዊ ወጥሪ ሱዳንን ኢትዮጵያን፣ ነቲ ሰላምን ምርግጋእን ተሓሪሙዎ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ናብ ሓድሽ ናይ ኲናት ዞባ ከይቅይሮ፣ ስግኣት ሓያሎ ወገናት ኮይኑ’ሎ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0