ኢትዮጵያ፣ ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ካብ ባንክ ዓለም ክትረክብ’ያ

ኢትዮጵያ፣ ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ካብ ባንክ ዓለም ክትረክብ’ያ

Radio Erena: 26 August 2018

 abiy press conኢትዮጵያ፣ ናይ ሓደ ቢልዮን ዶላር ልምዓታዊ ሓገዝ ካብ ባንክ ዓለም ክትረክብ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር’ታ ሃገር ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ናይ መጀመሪያ ጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብ ዘካየደሉ ብቀዳም 25 ነሓሰ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ምስቲ ኣብ 2005 ዝተኻየደ ምርጫ ብዝተሓሓዝ ተኣጊዱ ዝጸሐ ልምዓታዊ ሓገዝ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ክቕጽል ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ደሞክራስያዊ ለውጢ ክቕጽልን፣ ጥጡሕ ባይታ ክሳብ ዝንጸፍን ድሕሪ ክልተ ዓመት ዝካየድ ምርጫ ክናዋሕ ንዝብል ሕቶ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናጻን ርትዓዊን ምርጫ ክካየድ ድሌቱ ምዃኑ ድሕሪ ምግላጽ፣ እቲ ምርጫ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ክካየድ ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሃገራዊ ክቕጽል ምዃኑ፣ እንተኾነ ግና ንኣባላት ቀይሕ ሽብር ነበር ከምዘየጠቓልል ድሕሪ ምግላጽ፣ እቲ ቀዳማ ሚኒስተር፣ ኮሎኔል መግስቱ ሃይለማርያም ምሕረት ተገይሩሉ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ’ዩ ዝተባህለ ወረ ሓቅነት ከምዘይብሉ ኣነጺሩ።

ኣብ በበይኑ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ዓሌታዊ ግርጭታት ገና ከምዘይዓረፈ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ስምዒት ህዝቢ ብምትንካፍ ኮነ ኢሎም ናዕቢ ክለዓዓል ነገር ዝጽሕትሩ ዝተወደቡ ጉጅለታ ከምዘለዉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ገሊጹ።

ኢትዮጵያ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ናጽነት ሜድያ ኣርእያቶ ዘላ ለውጢ ዝነኣድ ምዃኑ፣ እንተኾነ ግና ህይወት ሰባት ንምድሓን ናይ ግድን ኣብ ገለ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንዝተወሰነ ግዜ ኣገልግሎት ኢንተርነት ክቋረጽ ከምዝተገብረ ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፣ ኣገልግሎት ኢንተርነት ሓላፍነታውያንን ዘይሓላፍነታውያንን ትካላትን ውልቀሰባትን ስለዝጥቀሙሉ ንረብሓ ህዝቢ ዝውዕለሉ መንገዲ ምጥጣሕ ሓላፍነት ኩሉ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0