ኢትዮጵያ፣ ትግባረ ስምምዕ ምቁራጽ ቶኽሲ ዝከታተል ኣካል ሕቡራት ሃገራት ናብ መቐለ ክዋፈር ተኽእሎ ከምዘሎ ተገሊጹ

Radio Erena: 28 November 2022

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ንክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ደማዊ ኵናት ደው ንምባልን ብፖለቲካዊ ዘተ ንምቕጻሉን ኣብ 02 ሕዳር፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ከተማ ፕሪቶርያ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ትግባረኡ ንምክትታል፣ ሓደ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ናብ መቐለ ክዋፈር ተኽእሎ ከምዘሎ ዲፕሎማስያውይን ምንጭታት ኣሚቶም።

እዚ ዝግለጽ ዘሎ፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ ዝመርሖ ኣካል፣ ድሕሪ’ቲ ዝተጽሐ ስምምዕ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መቐለ ፈላሚ ዑደት ብምክያድ ምስ ሰበ ስልጣን ትግራይ ምስ ተዘራረበ’ዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ወከልቲ ትግራይ ብዛዕባ ምውፋር እቲ ስምምዕ ምቑራጽ ቶኽሲ ዝከታተል ኣካል ሕቡራት ሃገራት ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሀቡን።

እቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ስምምዕ፣ ዘገም እናባለ ናይ ትግባረ ምልክታት የርኢ እኳ እንተሎ፣ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ካብ ትግራይ ግና ክሳብ ሕጂ ኣሰሓሓቢ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ።

ከም ቀዳማይ ስጉምቲ ዝተወስደ ምብጻሕ ህጹጽ ረዲኤት ናብ ትግራይ ጀሚሩ እኳ እንተሎ፣ ምስ ዘሎ ከቢድ ቅላውላው ዝዳረግ ከምዘይኮነ ሰብ ስልጣን ናይቲ ክልል ኣመልኪቶም።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ከም ባንክን ቴሌፎንን ዝኣመሰለ ኣገልግሎታት ምጅማር ኣካል እቲ ዝተብጽሐ ስምምዕ እኳ እንተኾነ፣ ዛጊት ዝተበገሰ ነገር የለን።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0