ኢትዮጵያ፣ ተቛሪጹ ዘሎ ረዲኤት ዝመጽእ ወርሒ ገለ ክፋሉ ንምጅማር ተስፋ ከምዘሎ ውድብ መግቢ ዓለም ገሊጹ

Radio Erena: 22 June 2023

ምስ ስርቅን ምጥፍፋእን ተተሓሒዙ ተቛሪጹ ዝርከብ ናብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝቐንዐ ረዲኤት፣ ዝመጽእ ወርሒ ሓምለ ክጅምር ትጽቢት ከምዘሎ፣ ውድብ መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

ተሓጋጋዚት ዋና ዳይረክተር ናይቲ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል፣ ቫለሪ ጉዋርኔሪ፣ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፣ ኣብቲ ዝመጽእ ወርሒ ክጅምር ትጽቢት ረዲኤት፣ ናብ ህዝቢ ኣብ ምዝርግሑን ምዕዳሉን ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትእትዋዎም ከውሕዱ ተላብያ።

ረዲኤት ዘድልዮን ክዕድል ዝግብኦን ህዝቢ ኣብ ምፍላይ፣ ውድብ መግቢ ዓለም መሻርኽቱ ዝኾኑ ዘይምንግስታውያን ማሕበራትን ላዕለዋይ ኢድ ክህልዎም ከምእትደሊ’ያ እታ ላዕለወይቲ ሓላፊት ኣነጺራ።

ኣብ ትግራይ፣ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ምዕዳል ረዲኤት ደው ክብል እንከሎ፣ ካብዚ ወርሒ ድማ ብ መላእ ኢትዮጵያ ጠቕሊሉ ደው ኢሉ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ኵናትን ደርቂን፣ ኣስታት 20 ሚልዮን ህዝቢ ተጸባይ ረድኤት ከኽውን እንከሎ፣ ውድብ መግቢ ዓለም ነቲ ኣስታት 6 ሚልዮን ዝግመት ከም ከም መግቢ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ረዲኤት ክዕድሎ ምጽንሑ ሮይተርስ ይጠቕስ።

እንተኾነ፣ ዝልዓለ ለጋሲት እቲ ረዲኤት ዝኾነት ኣመሪካ፣ ብሰበ ስልጣን ፈደራል፣ ክልላትን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ተጠፋፊኡ፣ ተሰሩቑ፣ ኣብ ዕዳጋታት ተሸይጡ ከምኡ ድማ ኣብ ዘይመዓልኡ ውዒሉ ብዝብል ደው ከተብሎ ከምዝወሰነት ይዝከር።

ውድብ መግቢ ዓለም ድማ ነቲ ናይ ኣመሪካ ተበግሶ ብምውሳድ፣ ኣብ ትግራይ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ደው ክብል ወሲኑ።

እቲ ናይ ኣመሪካን ውድብ መግቢ ዓለምን ውሳኔ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ድማ ብ ትግራይ፣ ተጸበይቲ ህጹጽ ረዲኤት ንዝኾኑ ዜጋታት እታ ሃገር ኣሻቒሉ ‘ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብሰንኪ ስእነት መሰረታዊ መግብታት፣ ብዓጸቦ ዝጠቅዑ፣ መብዛሕቶም ህጻናትን ኣዴታትን ዝርከብዎም 10ታት ኣሽሓት ሰባት ከምዘለዉ’ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ትግራይ ከባቢታት ሳምረን ቴምቤኒን ጥራት፣ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ 10ታት ሰባት ብዓጸቦ ከምዝሞቱ፣ ዘ ሪፖርተር ዝሓለፈ ሰሙን ምግላጹ ይዝከር።
======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0