ኢትዮጵያ፣ ብዘይኣላዩ ንዝመጹ ኤርትራውያን ቆልዑ ንሓደጋ ተቃልዕ ከምዘላ ተወቒሳ

Radio Erena: 21 April 2020

ኢትዮጵያ፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ እትኽተሎ ዘላ ሓድሽ ፖሊሲ፣ ብዘይኣላትዩ ንዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ንሓደጋ የቃልዕ ከምዘሎ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት፣ ሁማን ራይትስ ዎች ወቒሱ።

እቲ ትካል ብ21 ሚያዝያ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንኤርትራውያን ክህቦ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ዑቕባ ኣብ 2020 ብዘይወግዓዊ መንገዲ ድሕሪ ምቕያሩ፣ ፍሉይ ጉዳይ ንዘለዎም ሒደት እንተዘይኮይኑ፣ ንዝበዝሑ ምምዝጋብ ከምዝኣበዮም ሕቡራት ሃገራትን ካልኦት ምስ ስደተኛታት ዝነጥፉ ኣካላትን ከምዘረጋገጽዎ ጠቒሱ።

መንግስቲ ብፍላይ ብዘይኣላዩ ንዝመጹ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ፣ ህጹጽ ሓልዮትን ክንክንን ኣብ ክንዲ ዝገብር፣ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕቡራት ሃገራት ከይምዝገቡ ብምኽልካሉ ፈቐድኡ ቀንፈዘው ክብሉ ይርኣዩ ምህላዎም’ዩ ዝቃላሕ።

ዓድታት ትግራይ፣ ነዞም ብዘይኣለዩ ዝመጽኡ ቆልዑ ይኹኑ፣ ሓያሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዝገባ ዝሓረመን ስድራቤታት፣ በብዓቕመን ይሕግዛ እኳ እንተለዋ፣ እዚ ግና ነባሪ ፍታሕ ከምጽኣሎም ከምዘይኮነ ይግለጽ።

ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ንኤርትርትራውያን ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ትሕቲ ጽላል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ከይምዝገቡ ምኽልካሉ፣ ፖለቲካዊ ዕላማ ከምዘለዎ ብኣግኡ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ መንግስቲ ኣብ ርእሲ’ዚ 13 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣቕዑቡ ንዝጸንሐ መዓስከር ሕጻጽ ብምዕጻው፣ ነቶም ኤርትራውያን ካብ መወዳእታ እዚ ወርሒ ፋሕ ከብሎም መዲቡ ምህላዉ ወኪል UNHCR ካብታ ሃገር የመልክት።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0