ኢትዮጵያ፣ ብኵናትን ደርቂን ንዝተፈናቐሉ ኣስታት 17 ሚልዮን ዜጋታታ፣ ሓገዝ ከምዝተገብረ ገሊጻ

Radio Erena: 25 May 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልላት ዓፈር፣ ኦሮምያ፣ ደቡብን ሶማልን፣ ብኵናትን ደርቂን ንዝተፈናቀሉ ኣስታት 17 ሚልዮን ዜጋታት፣ ልዕሊ 2 ቢልዮን ብር ዝግመት ሓገዝ ከምዝተገብረ፣ ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ማዕከናት ዜና እታ ሃገር፣ ንኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ኮሚሽን ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረብኦ ጸብጻብ፣ እቲ ሓገዝ ካብ ባሕቲ ግንቦት ኣትሒዙ ዝተበርከተ ኮይኑ፣ ብገንዘብ መግቢን ዘጠቓለለ ምዃኑ ሓቢረን።

ዝበዝሐ ክፋል እቲ ብባንክ ዓለም፣ ውድብ መግቢ ዓለምን ዝተለገሰ ሓገዝ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ን11.6 ሚልዮን ተፈናቐልቲ ክወሃብ እንከሎ፣ ኣብ ኦሮምያ 3.2 ሚልዮን፣ ኣብ ክልል ሶማል 1.7 ሚልዮን ህዝቢ፣ ኣብ ክልል ዓፈር ድማ ንልዒ 46 ሽሕ ህዝቢ ዝተዓደለ’ዩ።

እቲ ናይ ሓገዝ ጸብጻብ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብኵናትን ደርቂ ንዝተፈናቐሉ ሰባት ልዕሊ 17 ሚልዮን ከምዝበጽሐ ዘመልከተ’ዩ።

እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ብዝሒ ሰብኣዊ ቅልውላው፣ ነቲ ኣብ ትግራይ ናይ ኣስታት 6 ሚልዮን ተፈናቐልቲን ተጸበይቲ ረዲኤትን ኣብ ግምት ከይኣተወ’ዩ።

=========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0